መቐለ፥ 10 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ )
ማሕበር ሕሙማት ኩላሊት ትግራይ ኣፈፃፅማ ሰራሕቲ 2016 ዓ/ም ገምጊሙ ኣብ ትልሚ 2017 ዓ/ም እውን ዘትዩ ።
ሕማም ኩላሊት ብዓቕሚ ውልቀሰብ ምሕካም ስለዘይከኣል መንግስትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ትኹረት ክገብሩሉ ማሕበር ሕሙማት ኩላሊት ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።
ሙሉ ዕቡይ ዝተብሃለ ኣባል እቲ ማሕበር ክልቲኡ ኩላሊቱ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ሰለዝኾነ
ንልዕሊ 5 ዓመት ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምፅናሕ፣ ኣብ ወፃኢ ነቕለተኸላ ኩላሊት ተገይሩሉ ። ዘለኒ ንብረት ሸይጠ ንቤተሰብ አፀጊመ እየ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚልየን ኣውፂአ ሂወተይ ኣፅኒሐያ ዝሽወጥ ንብረትን ዝሕግዝ ቤተሰብን ዘይብሉ ግና ከማይ ክፀንሕ ኣይኽእልን ክብል ክብደትን ሰቓይን እቲ ሕማም ገሊፁ።

ተሓከምቲ ንሕፅበት ኩላሊት ጥራሕ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 30 ሽሕ ብር ወፃኢ ከም ዝሓቶም ኣብቲ መድረኽ ዝተገለፀ እንትኾን እዚ ሕድሕድ ገዛ ዘንኳሕኩሕ ዘሎ ፀገም ከም ማሕበረሰብ ነቲ ሓደጋ ዘቃልል መፍትሒ ክእለሸሉ ይግባእ ተባሂሉ።
ኣብ ሪፈራል ሆስፒል ዓይደር በዓል ሞያ ሕፅበት ኩላሊት ዶ/ር ገብረኣምላክ ገብረሰማያት ኣባላት እታ ማሕበር ዘልዐሉዎ ሕቶ ትክክል እዩ መድሓኒት የቕርብ ዝነበረ ናይ ሱዳን ትካል ድሕሪ ኩናት ከቕርበልና ኣይኸኣለን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘቕርቡ ጨረታ ኣውፂእና እውን ብኣግባቡ ዘቕርበልና ክንረክብ ኣይኸኣልናን ይብሉ።
ዝበዝሓ ማሽናትና ተበላሽየን እየን ዝበሉ ዶክተር ገብረኣምላክ ንፅገና ዝሕግዝ ሶፍትዌር ኣብ ወፃኢ እዩ ዝርከብ ።ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ወኪል ክፅግነልና ዝገበርናዮ ፃዕሪ ክሰምረልና ኣይኸኣለን መንግስቲ እተን ማሸናት ክፅገና ወይ ሓደሽቲ ክኣትዋ ተዝገብር ይብሉ።

አብ መዓልቲ ብማእኸላይ 16 ሕፅበት ኩላሊት ዘድልዮም ተሓከምቲ ይመፁና ።መድሓኒት ኣቕርቦት እውን ሰለዘየለ ንሰሙን ልዕሊ 10 ሽሕ እንትሕተቱ ምስቲ ዘሎ ቁጠባዊ ፀገም ከቢድ እዩ ከም በዓልሞያ እውን እዚ የሐመኒ እዩ ኢሎም ዶ/ር ገብረኣምላክ።
ኣቦ መንበር ማሕበር ሕሙማት ኩላሊት ትግራይ ሃፍቶም ኣባዲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ስለ ዝነበረ ብዙሕ ተሓካሚ ሂወቱ ሓሊፉ ኢሎም።
በቶም ሕፅረታት ምኽንያት ካብ ሕዳር 2013 ክሳብ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ልዕሊ 100 ሰባት ብሕማም ኩላሊት ሂወቶም ከም ዝሓለፈ ኣረዲኦም።

ማሕበሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣባላታ ገንዘብ ብምውፃእ ልዕሊ 800 ሽሕ ብር ዝግመት መድሓኒት ከም ዝዓደገ ብምግላፅ መድሓኒት ይሰኣንን እንተተረኺቡ እውን ዋግኡ ስለ ዝኸብርን ልዕሊ ዓቕምና ሰለ ዝኾነ መንግስትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ይሓግዙና ኢሎም ኣይተ ሃፍቶም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 7 ሰባት ብሕማም ኩላሊት ሂወቶም ሓሊፉ 4 ድማ ሰኣን ገንዘብ ሕክምና ኣቋሪፆም ዝፅበዮም ኣብ ገዝኦም ምሟት እዩ ሂወትና ምስ ገንዘብ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ኣሎ እውን ይብሉ ኣይተ ሃፍቶም።
ሕፅበት ኩላሊት ማለት ዲያሊሲስ ካብ ዝካየደለን 14 ማሽናት 6 ተሪፈን ዝተረፋ ተበላሽየን እየን እዚ እውን ካልእ ፈተና ተሓከምትን ሰብ ሞያን ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።


