Home ዜና ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 25 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ሽፋን ኦዲት...

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 25 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ሽፋን ኦዲት ረኺቡ፥ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ትግራይ

883

መቐለ ፥ 8 ለካቲት 2017 ዓ/ም( ቴሌቪዥን ትግራይ)

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 25 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ሽፋን ኦዲት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት 24 ኣብያተ ዕዮ ንሰራሕቲ ኦዲት ሰነድ ዘየቕረባ እንትኾና እዚ ድማ ካብ ሕግን ኣሰራርሓን ወፃኢ ንምኻድ በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ 6ተ ኣዋርሕን ትልሚ ቀፀልቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ትግራይ፣

ኣብ ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ትልሚ ቀፀልቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ናብ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዘቕረበ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ 25.7 ቢልየን ብር ሽፋን ኦዲት ከምዝረኸበ ዋና ኦዲተር ዶ/ር ንጉስ ገ/ገርግስ ሓቢሮም።

24 ኣብያተ ዕዮ ንሰራሕቲ ኦዲት ሰነድ ዘየቕረባ እንትኾና እዚ ድማ ካብ ሕግን ኣሰራርሓን ወፃኢ ንምኻድ በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ዶ/ር ንጉስ ኣረዲኦም።

ሰራሕቲ ኦዲት ካብ ዝኾነ ይኹን ተፅዕኖ ነፃ ኮይኑ ብሞያዊ ስነ- ምግባር ክምራሕ ፃዕሪ ይግበር ምህላው ገሊፆም።

ፅሬቱ ዝሓለወ ግልጋሎት ኦዲት፣ደገፍን ክትትልን ንምሃብ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣረዲኦም ዶ/ር ንጉስ ።

ሕፅረት ተሽከርከርቲ ፣ነዳዲ፣ንስራሕ ዘይምቹ ህንፃ ቤትፅሕፈት ፣ዕንወት ኣይሲቲ ዘበናዊ ግልጋሎት ንምሃብ ዘይምኽኣሉ፣ ንስልጠና ዝኾን በጀት ዘይምምዳቡን ካልኦትን ፀገማት ክፍትሑሉ ናብቲ ቤትምኽሪ ኣቕሪቡ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር።

ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብን ኣፈፃፅማ ሰራሕቲ ሕሉፍ 6 ኣዋርሕን ትልሚ ቀፀልቲ 6 ኣዋርሕን እተን ናይ እዲት ሰነድ ዘየቕረባ ኣብያተ ዕዮ ተነፂረን መአረምታ ይገበረለን፣ ንርካብ ኦዲት መልሲ ዘይሃባኸ እንታይ ሰጉምቲ ክውሰደለን እዩ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታትን ርኢቶታትን ቀሪቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሰራሕቲ ሕሉፍ 6 ኣዋርሕን ትልሚ ቀፀልቲ 6 ኣዋርሕን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ትግራይ ብ 22 ድጋፍ፣18 ተቓውሞ፣2 ድምፀ ተኣቅቦን ኣፅዲቑ ።

ብኪሮስ መሓሪ