መቐለ፥ 8 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 156,697 መዛግብቲ ዕልባት ከም ዝረኸቡን 1894 መዛግብቲ ድማ ብዕርቂ ከም ዝተወድኡን ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶክተር ፀጋይ ብርሃነ ገሊፆም።
“ኣብ ኣብያተ ፍርዲ 195,617 መዛግብቲ ዝተኣናገዱ ኾይኖም፣ ካብዚኦም 156,697 (80 ምኢታዊ) መዛግብቲ ዕልባት ረኺቦም።” ኢሎም እቶም ፕረዚደንት ናብ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣብ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕትን ትልሚ ቐፀልቲ 6 ኣዋርሕን።
ብዕርቂ ንክውድኡ ካብ ዝተትሓዙ 2,485 መዛግብቲ እቶም 1894 ማለት እቶም 76 ምኢታዊ ብዕርቂ ተወዲኦም ኢሎም።
ዳይነት ካብ ውሽጣውን ግዳማውን ፅዕንቶታት ነፃ ኾይኑ ንክሰርሕ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ካብ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ዘለዉ ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ግቡእ ትዅረት ዘይምግባርን ምልቃቕ ዳያኑን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተርኣዩ ፀገማት እዮም ኣብቲ ፀብፃብ ከም ዝተገለፀ።
ኣብያተ ፍርዲ ብኔትወርክ ዝተኣሳሰራ ዘይምዃነን ንኣሰራርሓ እናፀገመ እንትኾን እዚ ንምፍታሕ ቀፃሊ ፃዕሪ ክግበር እዩ ተባሂሉ።
ቤት ፍርዲ ክልል ዘለዎ ህንፃ ብልምዓት ዝለዓል ምዃኑን 7 ዓመት ዘቑፀረ አብ ከይዲ ህንፀት ዝፀንሐ ህንፃ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብበጀት ተደጊፉ ክዛዘም፣ ኣብያተ ፍርዲ ብኔትወርክ ንክተኣሳሰራ፣ ተዘዋዋሪ መጋባእያ ሰራሕ ንክጅምርን እቲ ቤት ምኽሪ ዝከኣሎ ደገፍ ክገብር ሓቲቶም ዶክተር ፀጋይ።
ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝወሃቡ ስራሕቲ ቤት ፍርዲ ብዘይምህላዎም ኣብ ቀረብኡ ኮይኑ ግልጋሎት ክረክብ ዝኽእል ዝነበረ ህዝቢ ንዘይተደለየ ወፃእን ምንግልታዕን ይሳጣሕ ስለ ዘሎ እዚ ንክጅምር ክስራሕ ይግባእ እውን ኢሎም።
ዝነበረ ቤት ምኽሪ ብምፍራሱ ዳያኑ ሽመቶም ከይፀደቐ ብሕፁይነቶም ንነዊሕ ግዘ እናሰርሑ ከምዝርከቡ፣ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዘለዉ መዛግብቲ ምስ በዝሒ ዳያኑ ዘይመጣጠን ብምዃኑ ምድንጓያት ኣሎ፣ ኣብ ትካላዊ ነፃነት ኣብያተ ፍርዲ ፀገም ኣሎ፣ ኣብ ድሕንነት ዳያኑ ዝግበር ትኹረት ትሑት እዩ ዝብሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ቀሪቦም ኣብቲ መድረኽ።
ዘይተኸፈለ ሕሉፍ እዋን መሃያ ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕቲ ኣብያተ ፍርዲ ፀገም ይፈጥር ስለ ዘሎ ብትኹረት ንክረአን ህፁፅ ምላሽ ክወሃቦን ተሓቲቱ።
ምኽንያት ምልቃቕ ዳያኑ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ድዩ? ምስኣን ነፃነት? ወይስ ቁጠባ ? ብዕምቆት ተነፂሩ መፍትሒ ይቀመጠሉ ተባሂሉ።
ምስ ባህልና ዘይኸዱ ገበናት፣ ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ፣ ስርቂ፣ ምጭብርባር፣ ሓሶት ምስክርን ካልኦትን ዘበናዊ ሕጊ ኣብ ዝተኣታተወሉ እዋን ምብርኻቶም ምኽንያቱ ተነፂሩ መፍትሒ ተዝቕመጠሎም ኢሎም ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ።
እቶም ዝተልዓሉ ፀገማት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ንምፍታሕ ከም ዝስራሕ ገሊፆም ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶክተር ፀጋይ ብርሃነ።
ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ 12 ሸቶታት ዝሓዘ ትልሚ ኣውፂኡ ዝሐሸ ግልጋሎት ንምሃብ ከም ዝተዳለወ እቲ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብዘለዎ ዓቕሚ ዝፈፀሞም ስራሕቲ ፅቡቕ እዩ ኢሎም አፈ ጉባኤ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣይተ ሞገስ ታፈረ።
ነፃነት ዳያኑ ክኽበር ዝግበኦ ነቶም ዳያኑ ጥራሕ ከይኾነስ ነፃ ኮይኖም ንህዝቢ ግቡእ ግልጋሎት ንክህቡ ስለዝኾነ ነፃነቶም ክሕሎ ይግባእ ብሽም ነፃነት ተሓታትነት ንከይሽርሸር ግን ጥንቃቐ ምግባር የድሊ ኢሎም።
ምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዶክተር ደጀን መዝገቦ ብወገኖም ኣበይ በፅሐ ኢልካ ክትትል ከግበረሎም ዝግብኡ ጉዳያትን መረረታትን ቤት ፍርዲ ትኹረት ክገብረሎም ይግባእ።
እቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብን ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ 6 ኣዋርሕን ትልሚ ቀፀልቲ 6 ኣዋርሕን እቲ ቤት ፍርዲ ኣፅዲቑ ኣሎ።
#ብኪሮስ_መሓሪ