Home ዓለምለኻዊ ዜና ኣብ ጆኖሳይድ ሩዋንዳ ዝተሳተፉ ወዲ 75 ዓመት ብ20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕፅዑ ተወሲኑ።

ኣብ ጆኖሳይድ ሩዋንዳ ዝተሳተፉ ወዲ 75 ዓመት ብ20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕፅዑ ተወሲኑ።

82

መቐለ፥ 2 ጳጒሜን 2016 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)_ቤት ፍርዲ ሩዋንዳ ኣብ ገበን ጆኖሳይድ ሩዋንዳ ተሳቲፎም ንዝተብሃሉ ወዲ 75 ዓመት ሩዋንዳዊ ብ20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕፅዑ ፈሪዱ።

ኣብቲ ቅድሚ 30 ዓመት ብ1994 ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈፀመ ጆኖሳይር ተሳቲፎም ብዝብል ኣብ 2021 ኣብ ኔዘርላድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዉዒሎም ናብ ሩዋንዳ ክመፁ ብምግባር ጉዳዮም ክፃረ ዝፀንሐ ሩዋንዳዊ ቫነንት ሩቱንጋ ኣብ ተግባር ጆኖሳይድ ኢዶም ሓዉሶም ምርካቦም ብምርግጋፁ እዩ እዚ ቕፅዓት ተወሲንዎም ዘሎ።

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ሩዋንዳ ቱትሲ ኣብ ዝዓቖብሉ ቦታ ፖሊስ ብምምፃእ ግዳያት ጆኖሳይድ ንክኾኑ ኩነታት ምፍጣሩ ቅድም ኢሉ ዝተረጋገፀ ጉዳይ ብምንባሩን ቫነንት ድማ ኣብቲ እዋን ክልላዊ ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ብምንባሮምን ኣብዚ ኢድ ከምዘለዎም ንቤት ፍርዲ ብዝቐረበ መረዳእታ እዩ።

በዙይ መሰረት ብ20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕፅኡ እቲ ቤት ፍርዲ ዉሳነ ምሕላፉ ፀብፃብ ኒዉ ታይመስን ኒዉስ ሰንተር ኣፍሪካን የርድእ።

#ብሃይለሚካኤል ገሰሰ