Home ስፖርት ኣብ ፈላማይ መድረኽ ወድድር ቅድድም ብሽክሌታ ብዓል መስቀል ዓጋመ 2017 ዓ/ም ብኮርሶ...

ኣብ ፈላማይ መድረኽ ወድድር ቅድድም ብሽክሌታ ብዓል መስቀል ዓጋመ 2017 ዓ/ም ብኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ ራሄል ታመነ ብኮርሶ ደቂ ተባዕትዮ ሃይላይ ኣረጋዊ ተዓዊቶም።

444

መቐለ፥መስከረም 5/2017 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)

መበል 16 ቅድድም ብሽክሌታ ብዓል መስቀል ዓጋመ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ምክያድ ጀሚሩ። ጋንታታት ዓመት ሙሉእ ንዘካይድኦም ዉድድራት ዓቅመን ዝሪኣሉ ፈለማይ ወድድር እዩ።ኣብቲ መቃብር ኣስላም እናተብሃለ ዝፍለጥ ቦታ መበገሲን መዛዘምን ገይሩ ኣደባባይ ብምዛር ዕለተ ሰንበት ዝጀመረ ዉድድር ብማዉንቴን ደቂ ተባዕትዩ፣ ኮርሶ ደቂ አንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ውድድር ኣሳሊጡ።

ብኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ 50 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነን 16 ዙርያ ዝነበሮን ንተመልካቲ ኣዝዩ ስሓብን ዉድድር ዝተኻየደ ኾይኑ ተቀዳደምቲ ብተደጋጋሚ ፈልየን ንምዉፃእ ዝፍትናሉ ዝነበረ እንትኸዉን ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ቮላታ ራሄል ታመነ ካብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ቀዳመይቲ ብምዃን ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂ ኮይና ።

ተቐዳደምቲ ትራንስ ኢ/ያ ቤተልሄም ዳንኤልን ሄለን ፍስሃን ካልኣይን ሳልሳይን ብምእታዉ ተሸለምቲ ሜዳልያታት ብሩርን ነሓስን ኮይነን።

ልዑል ትፅቢት ዝተገበረሉን 70 ኪሎ ሜትርን 26 ዙርን ዝሸፈነ ኮርሶ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝተኻየደ ኾይኑ ተደጋገምቲ ምቁርራፅን ፈሊኻ ንምውፃእ ፈተነ ዝተገበረሉን ዉድድር ነይሩ።ኣብ መወዳእታ ቅፅበታዊ ቮላታ ብሽክሌተኛታት ስራሕቲ ንግዲ ጉና ሃይላይ ኣረጋዉን ኣማኑኤል ተክለ ሃይማኖትን ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ እንትዕወቱ ተመስገን እንትሃቡ ካብ ትራንስ ኢ/ያ ሳልሳይ ደረጃ ረኺቡ።

እቲ ዉድድር ሰሉስ ብምቕፃል ብማዉንቴን ደቂ ተባዕትዮን ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮን ውድድር ከካይድ እዩ።

#ሓበን ካሕሳይ