መቐለ፥ 23 መስከረም 2017 ዓም (ቴሌቪዥን_ትግራይ)
ኣሜሪካ ኣብ 2ይ ኲናት ዓለም ዝደርበየቶ ቦንቢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጃፓን ነቲጉ።
ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተደብርዩ ክሳብ ሎሚ ተቐቢሩ ከይተፈለጠ ከም ዝፀንሐ ዝእመነሉ ቦንቢ ተጉዓዝቲ ዘሳፈረት ኣውሮፕላን ምስተልዓለት ድሕሪ ሓደ ደቒቓ ነቲጉ።

እቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ጃፓን መዕርፎ ነፈርቲ ሚያዛኪ ዝነተጎ ቦንቢ ኣብ ሰብ ዘብፅሖ ጉድኣት የለን።
ልዕሊ 80 በረራታት ነፈርቲ ግና ንክስረዙ ምግባሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እቲ ንልዕሊ 80 ዓመታት ፀኒሑ ሎሚ ዝፈንደአ ቦንቢ በሰላ ኲናት ክንደየናይ ከቢድን ንነዊሕ ግዜ ዝፀንሕን ሓደጋ ከም ዘለዎ ዘመላኽት ምዃኑን ድህረ ኲናት ክግበሩ ዝግበኦም ተተኮስቲ ናይ ምምካን ስራሕቲ ሸለል ክበሃሉ ከም ዘይግባእ ዘመላኽት ምዃኑ ተገሊፁ።