መቐለ፥1 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ዓውድታት ቴክኖሎጂን ፈጠራን ዝዋፈሩ ዘለዉ ሰባት መጠን ዘኻዕብትዎ ዘለዉ ሃፍቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊፁ ።
ዓለምና ኣብ 2027 ኣ.ፈ ፈላማይ ትሪሊየነር ከምእትረክብ ድማ ፎርብስ ተንብዩ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን 236 ቢልዮን ዩሮ ሃፍቲ ብምዉናን ናይ ፕላኔትና ቀዳማይ በዓል ሃፍቲ ብምዃን ዝመርሕ ዘሎ ኤለን መስክ ድሕሪ 3 ዓመታት ማለት እዉን ኣብ 2027 ኣ.ፈ ኣብ ታሪኽ ዓለም ፈላማይ ትሪሊየነር ክኸዉን ከምዝኽእል ብሉምበርግ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣመላኺቱ።
ከም ትምበያ ብሉምበርግ እንተኾይኑ ካብ ኤለን መስክ ቀፂሉ ድማ ኣብ 2028 ኣ.ፈ ህንዳዊ ቢልየነር ጓታም ኣዳኒ ካልኣይ ትሪሊየነር ክኸዉን እዩ።
ወናኒ ኩባንያ ኒቪዳ ዝኾነ ወዲ 61 ዓመት ጄሰን ሁዋንግ እዉን ሕዚ ሒዝዎ ዘሎ 112 ቢልዮን ዶላር ኣብ 2028 ናብ ሓደ ትሪሊየን ክዓቢ እዩ ክብል ተንብዩ ኣሎ።
ብሓፈሻ ኣብ 2030 ኣ.ፈ ኣብ ዓለምና 10 ትሪሊየነራት ከምዝህልዉ እቶም ዝወፅኡ ዘለዉ ትንበያዊ መፅናኣዕትታት ዘመላኽቱ እንትኾኑ፣ ካቶም 10 እቶም 8 ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጅን ፈጠራን ዝተዋፈሩ እዮም ክኾኑ እዉን ተባሂሉ።
ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት መጠን ሃፍቶም ናብ ትሪሊየን ዝዓቢ 15 ሰብ ሃፍቲ እንትህልዉ፣ እቶም 10 ኣሜሪካውያን፣ እቶም ክልተ ህንዳውያን፣ ኢንዶኔዥያ፣ ፈረንሳይን ቻይናን ድማ ሕድሕደን ሓደ ሓደ ትሪሊየነራት ክውንና እየን ተባሂሉ ይግመት።
#ብተስፋዝጊ ዓስበይ