Home ስፖርት ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋውን ሓጎስ ገ/ሂወትን ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብራስልስ 2024 ቀዳማይን...

ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋውን ሓጎስ ገ/ሂወትን ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብራስልስ 2024 ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም።

168

መቐለ፥መስከረም 3/2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋውን ሓጎስ ገ/ሂወትን ሎማዓንቲ ዓርቢ ቀፂሉ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ዳይመንድ ሊግ ብራስልስ 2024 ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም።

12 ደቒቓ 43 ሰከንድን 66 ማይክሮ ሰከንድን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም ዝወደአሉ ግዘ እዩ። ኣትሌት ሓጎስ ገ/ሂወት ድማ 12 ደቒቓ 44 ሰከንድን 25 ማይክሮ ሰከንድን ወዲኢሉ።

ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዝዛዘመ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ተዓዋቲ 30 ሽሕ ዶላር ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ኣትሌት ጥላሁን በቀለ ብ12 ደቒቓ 45 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብራስልስ 2024 ፅባሕ ቀዳም ብዝተፈላለየ ርሕቐት ውድድር ብምትእንጋድ ዝቕፅል ኮይኑ ፍረወይኒ ሃይሉን ብርቀይ ሓየሎምን በ1500 ሜትሮ ፅጌ ገ/ሰላማን ፎትየን ተስፋይን ድማ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ከሳልጣ እየን።

ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ከተማ ዣይመን ዝጀመረ ዳይመንድ ሊግ 2024 ሲዒቡ ኣብ ከተማታት ሻንግሃይ ፣ ዶሃ ፣ራባት ፣ ዪጅን፣ ኦስሎ፣ ስቶክሆልም ፣ ፓሪስ ፣ ሞናኮ ፣ ለንደን ፣ሉዛን ፣ ስሌስያ ፣ሮምን ዙሪክን ዝተኻየደ ኮይኑ ቀዳም መስከረም 4/2017 ዓ/ም ኣብ ብራስለስ መፈፀምታ ክረክብ እዩ።

#ክብሮም ተስፋይ