መቐለ፥መስከረም 4/2017 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣትሌት ጎተይቶም ገ/ስላሴ መስከረም 5/2017 ዓ/ም ኣብ ዝሳለጥ ውድድር ማራቶን ሲዲኒ ክትሳተፍ እያ። ሻምፕዮን ዓለም ንምዃን ዝበቀዐት ጓል 29 ዓመት ኣትሌት ጎተይቶም ንማራቶን ሲድኒ 2024 ክዕወታ ቅድመ ግምት ካብ ዝረኸባ ኣትሌታት ሓንቲ እያ።
ኣብ ማራቶን ሲድኒ 2024 ንውድድር ማራቶን ትሕቲ 2 ሰዓትን 20 ደቒቓን ዝዛዘማ ኣትሌታት ሓዊሱ ዝሓሸ ውፅኢት ዘለወን ኣትሌታት ዝሳተፋሉ ብምዃኑ ብርቱዕ ንሕንሕ ከተኣናግድ ድማ ተገሚቱ ኣሎ።
ኣትሌት ጎተይቶም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን 2021 ኣብ ማራቶን ብርሊን ከምኡ እውን ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ኦሪጎን 2022 ሻምፕዮን ብምዃንዘመዝገበቶም ውፅኢት ተፀራሕቲ እዮም።
ቅድሚ ሐዚ ኣብ ውድድራት ማራቶን ቶክዮን ኒወዮርክን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዝዛመት ኣትሌት ጎተይቶም ኣብ ኦሪጎን ዘመዝገበቶ 2 ሰዓት 18 ደቒቓን 11 ሰከንድን ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም ብውልቅኣ ዝወሰደላ እቲ ዝበለፀ ሰዓት እዩ።
ምክያድ ካብ ዝጅምር 23 ዓመታት ኣብ ዘቑፀረ ማራቶን ሲድኒ ብክልቲኡ ፆታ ኣትሌታት ኬንያ ክብረወሰን እቲ ቦታ ወኒኖም ይርከቡ።
#ክብሮም ተስፋይ