መራሕቲ ሃይማኖት፣መዘምራን፣ኣባላት ማርሽባንድ ኦርኬስትራ ፖሊስ ፣ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ክፋላት ሕ/ሰብን ከተማ መቐለ 16 መስክረም ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ኣጋምሸት ጎቦ ጮምዓ ምድያብ ኣይከበዶምን። ንበዓል መስቀል ብዝገልፅ ኣክዳድና ማዕሪጎም ፣ ሽግ፣ ርችትን ካልኦት ነቲ በዓል ዘድምቑ ናውትታትን ብምሓዝ ደይቦም። ሃይማኖታዊ ክብርታት እቲ በዓል ዝገልፁ ምድላዋት ኣብ ዘቕርቡሉ እዋን ብመብራህቲ ድምቀቱ ዝውሰኸ መስቀል ጮምዓ ነፍሰወከፍ ተሳታፊ እቲ በዓል ዘብርሆም ሽጋት ተውሲኹዎ ሰማይን መሬትን ጮምዓ መቐለ ፍሉይ ድምቀት ተላቢሱ ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክፋል መቐለ ኮይኑ ንዝርኢ ሰብ ኣዝዩ ሰሓቢ ምስሊ እዩ። ክሳብ ምሸት ዝቐፀለ ስነ-ስርዓት በዓል መስቀል ጮምዓ ብንጡፍ ትሳትፎ ኣባላት ማሕብር ጮምዓ ምቐለን ካልኦት ነበርትን ደሚቑ።
ርችትን ሽግን ዝፈጠሩዎ ድምቀት ቐፂሉ። ኣብ ጥውይዋይ መንገዲ ጮምዓ ሽግ ሒዞም ዝወርዱ መናእሰይ ድማ ፍሉይ ፅባቐ ፈጢሮም ካብ ጎቦ ጮምዓ ናብ መቐለ ብምውራድ ኣብ ልዕሊ ጎቦ ጮምዓ ዝተኸበረ ድሮ በዓል መስቀል ተዛዚሙ።
17 መስከረም 2017 ዓ/ም ድማ ስነ-ስርዓት ደመራ በዓል መስቀል ኣብ እንዳ ጋብር መቐለ ተኸቢሩ ።
በዓል መስቀል ሎሚ ዓመት ኣብ ሞንጎ ሓዘንን ሓጎስን ኮይና ኢና ነኽብር ዘለና ኢሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መቐለ ኣቡነ ኢሳያስ።
“በዓል መስቀል ሎሚ ዓመት ፈጣሪና ክሳብ ሕዚ ብህይወት ስለ ዘፅንሐና እናተሓጎስና ግን ድማ ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ስለ ዘይተመለሱን ምእንታና ኣካሎም ዝጎደሉ ተጋደልቲ ግቡእ ሕክምና ስለ ዘይረኸቡን እናሓዘና ነኽብሮ ኣለና።” ኢሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መቐለ ኣቡነ ኢሳያስ።
ዝቕፅል ዓመት ዝተመዛበሉ ተመሊሶም እቶም ጉዱኣት ኣካል ድማ ድሒኖም ዝኽበር በዓል ክኸውን ድማ ትምኒቶም ገሊፆም።
ህዝበ ክርስቲያን እዚ በዓል እንተኽብር ካብ ኩሉ ሕማቕ ነገር ተቖጢቡ ክኸውን ይግባእ ውን ኢሎም።
ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ከተማ መቐለ መልኣከ ብርሃናት ገብረስላሴ ሕሸ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣፈላላይ ተወጊዱ ሓድነትና ዝሰምረሉ በዓልን ዓመትን ክኸውን ብምምናይ፣ ኣካላት ፀጥታ እዚ በዓል ብሰላም ክሓልፍ ንዝገበርዎ ፃዕሪ ኣመስጊኖም።
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት
በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ።
ድምቀት እቲ በዓል ገና ካብ ድሮ ኣትሒዙ ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያ ድብላ ስዔት ባህላዊ ክብሪታት ሓልዩ እንስሳ ብጠስሚ ጌርካ ኣብ ቀርነን፣ ምንጉደአንን ብምልካይ ብልሙድ ስነ ስርዓት ምዕዃኽ ተካይዱ ።
ካብቲ ምዕዃኽ ብተወሳኺ ምድላው ጥሕሎ፣ ግዕዝምን ሶላን ንዕዱማት ኣጋይሽ እንግዶት ተገይሩ።
ካብ ስነ_ስርዓት ምዕዃኽን እንግዶትን ኣብ ፒያሳ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝትኡ ብዝሓለወ መልክዕ ስነ_ስርዓት ምርኢት ጎደና ክካየድ ኪኢሉ እዩ።
ድሕሪ ምርኢት ጎደና ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወገናት ኣብ ጎቦ ቀን ዳዕሮ ደይቦም ስነ_ስርዓት ምውላዕ ሽግን ሆያ ሆየን ኣካይዶም።
ካብ ቀን ዳዕሮ ዝጀመረ ሽግ ምውላዕን ሆያ ሆየን ኣብ ፒያሳ መዛዘሚ ረኺቡ።
17 መስከረም 2017 ዓም እውን ሃይማኖታዊ በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ስታዲየም ወልዋሎ ዓዲግራት ብድምቀት ተኸቢሩ እዩ።
ኣብቲ በዓል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ብፁኣን ሊቃነ ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ትግራይ፣ ተኸተልቲ ክርስትና እምነትን ነበርቲ ከተማ ዓዲግራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ_ስርዓት ምውላዕ ደመራ ተካይዱ ።
በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም “ክብርታት በዓል መስቀል ንሓድነትን ንብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ተኸቢሩ።
በዓል መስቀል እንትነኽብር ዘሎ ኣፈላላይ ኣፅቢብና ሓድነትን ሕድገትን ብምጥንኻር ዝነበረ ታሪኽ ትግራይ ክነቕፅል ይግባእ ብምባል ምዒዶም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሃገራት ኣውሮፓ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ትግራይ ኣቡነ ኤፍሬም።
በዓል መስቀል እንትነኽብር ኣብ ውሽጢ ተጋሩ ዘሎ ኣፈላላይ ብምፅባብ ሓድነትን ሕድገትን ኣጠናኺርና ዝነበረና ልዑል ታሪኽ ኽነቕፅል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
በዓል መስቀል እንትነኽብር ፍቅሪ ፣ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ሕድገትን ሕውየትን እንማሃረሉን እነተግብረሉን ክኸውን ይግባእ እውን ኢሎም።
ብፍላይ ድማ ንህዝብና ንቤተክርስቲያናን ዓድናን ኢሎም መስዋእትን መጉዳእትን ንዝኸፈሉ ወገናትና ክንሕግዞም ይግባእ ኢሎም አቡነ ኤፍሬም ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ኬንዳን ትምህርቲ ቤትን ዘለው ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ፀገም ከይወድቁን ምሕጋዝ ኣድላይ ምዃኑ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሃገራት ኣውሮፓ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ትግራይ ኣቡነ ኤፍሬም ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ በዓል መስቀል እንትኽበር ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ እዚ ዓመት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉን ሓድነት ትግራይ ዝረጋገፀሉን ዓመት ከምዝኸውን ተስፈኦም ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ 2017 ዓ/ም ንብዓት ህዝቢ ትግራይ ብልምዓት ንክድበስ ከም ዝስራሕ ውን ሓቢሮም ።
ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዘድልዮ ህዝቢ የለን ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ተቃላሳይ መንእሰይ ኣግሊልኻ ኣብ ሕቱኽቱኽ ምእታው ከብቅዕ ኣለዎ ኢሎም።በዓላትና ካብ ፍሰስ ተፋሰስ ወፃኢ ሓድነትናን ታሪኽናን ነጣናኽረሉ ክኸውን ይግባእ እውን ኢሎም።
ዘጥዕመልና ሓድነትን ስኒትን እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ነዙይ ዝዘርግ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኩሉ ክቃለሶ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገ/ሄር ብወገኖም ብዘይድህሰስ በዓል ዝፍለጥ በዓል መስቀል ንምንቕቓሕ ቱሪዝም ትግራይ እጃሙ እንዳበርከተ ከምዝመፀን እዚ በዓል ሃይማኖታዊን ባህላዊን ትሕዝቶታቱ ሓሊዩ ድማ ኣካል ድምቀት ኮይኑ ናብ ረብሓ ንምቕያር ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ክብርታት በዓል መስቀል ተዓቒቦም ኣብዙይ ክበፅሕ ንዝገበሩ ንመራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ህዝብን ልዑል ክብሪ ከምዘለዎም ዶክተር ኣፅባሃ ገሊፆም።
እዚ በዓል ብድምቀት ንክኽበር መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ዘመስገኑ ዶክተር ኣፅበሃ ኩሉ ነገር ትሕቲ ትግራይን ትግራዋይነትን ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ኣኽሱም
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ኣኽሱም እቲ በዓል ብዝፈቕዶም ስነስዓታት ብድምቀት ተኸቢሩ ።
ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን ሊቃውንትን ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ተፀምቢሉ ዝተኸበረ በዓል መስቀል ብፁኣን ሊቃነ ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፣ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን ከባባኣን በፃሕቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ተረኺቦም እዮም ።
ምልክት ሰላም ፣ ፅንዓት ፣ ፍቕሪ ፣ ሓድነትን ዝኾነ በዓል መስቀል እንትነኽበር ህዝቢ ንምግልጋልን ሓድነትና ንምጥንኻርን ኣብርቲዕና ብምሰራሕ ክኸውን ይግባእን ዝበሉ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መንበረ ሰላማ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ብፍላይ ድማ ኣብ መሪሕነት ትግራይ ዝረአ ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሊቀ ጳጳሳ ሃገረ ስብከት ዞባ ማእኸል ኣቡነ መቃርዮስ ብወገኖም ፤ በዓል መስቀል ጎይታ እየሱስ ክርስቶስ እንትነኽብር ሰላምና ብምሕላውን ብምድግጋፍን ዝተመዛበሉ ወገናትና ብምሕጋዝን ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፆም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ፤ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ስድርኦም ናይ ምሕብሓብ ስራሕ ናይ ኩሉ ተግባር ክኸውን ከምዘለዎን ብፍላይ መናእሰይ ከባቢኦም ብምሕላውን ሰላም ብምርግጋፅን ሕድሪ ስውኣት ክትግብሩ ይግባእ ኢሎም።
በዓል መስቀል ተመዛበልቲ ብምሕጋዝ ከምዘብዕልዎ ዝገለፁ ድማ ኣብቲ በዓል ዝረኸብናዮም ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን እዮም ።
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሴ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ብዝሓለወ መንገዲ ዝተኸበረ እንትኸውን ኣብቲ በዓል መለእኽቲ ዘሕለፉ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ በዓል መስቀል እንትነኽብር ብፍቕሪ፣ሓልዮትን ሕብረትን ክኸውን ምዒዶም።
ከንቲባ ከተማ ሽረ-እንዳስላሴ ኣይተ ገብረመድህን ዮሐንስ ብግዲኦም በዓል መስቀል እንትነኽብር ሕብረትናን ሓድነትናን ብምጥንኻር ኣንፃር ከባብያውነትን ድሕረትን ብምቅላስን ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ክንረባረብ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም ።
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ
ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ውን በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ።
ኣካያዲ ስራሕ ቤተ ክህነት ከተማ ዓብዪ ዓዲ መምህር ኣታኽልቲ ሃይለሚካኤል በዓል መስቀል እንትነኽብር ኣሰተምህሮታትን እምነታትን በዓል መስቀል ብምዕቃብ ሰላምናን ሓድነትናን ብዘውሕስን ኣገባብ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም።
ሃይማኖታዊ ትውፊታት በዓል መስቀል ኣብ ምሕላው ሰላም ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ዝጠቐሱ መምህር ኣታኽልቲ ሕ/ሰብ ሰላሙ ብንቕሓት ክዕቅብ ይግባእ ኢሎም።
ምእመናን ብግደኦም ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ በዓል መስቀል ብምዕቃብ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ብፅሒቶም ከም ዝፍፅሙ ኣረጋጊፆም ።
ኣከባብራ በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኢሮብ
በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኢሮብ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታቱ ብዝሓለወ መልዑ ብፍሉይ ድምቀት ተኸቢሩ።
ኣብዚ በዓል መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይት ዓዲ ፣መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኦብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ዳውሃን ፉሉይ ቦታ ዳት ጋራብ ስነ ስርዓት ዓኹኸን ሊዒዮን ጀሚሩ ብዘይ ኣፈላላይ ፆታ ማዕሪጉ ተኸቢሩ። ።ኣብዚ በዓል ባህሊ ህዝቢ ኢሮብ ዝገልፁ ኣሰራርሓ ግዕዝም፣ሶላ፣ገዓት ጠስምን ካልኦት ክብሪ ህዝቢ ኢሮብ ዝገልፁ ትሕዝቶታትን ቐሪቦም ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ንቀፃሊ ዓድን ህዝብን ኩሉ ነፃ ኮይኑ ንዓመታ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ክነብዕል ኩሉ ኣብ ጎኒ እዚ ህዝቢ ክኮን ኣለዎ ዝብል መልእክት ድማ ኣመሓላልፎም።
ጋሻ ተቀባሊ ፣ፍቕርን ሓልዮትን መግለፂኡ ህዝቢ ኢሮብን ክብርታቱን ከይጠፍኡ ኩሉ ፃዕሪ ክገብር ፃውዒት ቀሪቡ እዩ።