መቐለ፥ 3 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዕምቆት ተገምጊሙ ቀፃሊ ኣንፈት ክንፀር መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብሓላፍነት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር)።
ደብረፅዮንን ገብረሚካኤል (ዶ/ር ) ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረት ጌሮም ተዛትዮም።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ዛጊድ ክልተ ዓመት ዝመልእ ዘሎ እኳ እንተኾነ ብግዜ ኣንፃር ኣፈፃፅምኡ ትሑት ምዃኑን ብትሕዝትኡ እውን ዝተጀመረ መሊኡ ዘይተፈፀመ ፣ ዛጊድ ዘይጀመረን ገሊኡ ድማ ካብቲ ስምምዕ ወፃኢ ዝትግበር ዘሎን ብምዃኑ ትኹረት ተዋሂብዎ ክፍፀም ከምዝግባእ ኣብ ምይይጦም ኣልዒሎም።
ኣቦ ወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ.ር) ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ብዘይምውፅኦም ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቱ ክምለስ ኣይክኣለን ኢሎም። በዚ ድማ ብጥሜትን ሕማምን ሕዚ እውን ኣደዳ ሞት ኮይኑ ይቕፅል ከምዘሎ ዝገለፁ ኮይኖም ዳግመ ምጥያሽ ሰራዊት ትግራይ ብወገን ትግራይ ድልውነት እኳ እንሃለወ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ዘድሊ ድጋፍ ከምዘይቀረበ ገሊፆም።
ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍፀሙ ዝግበኦም ኩሎም ዕማማት ብዝፍለጥ ግዘ ሰሌዳ ክፍፀሙ ክግበርን ኣፈፃፅምኡ ድማ ብቐፃሊ ክግምገምን ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።
ካብዚ ብተወሳኺ ፈራሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነ ህወሓት ሕጋዊ ሰብነቱ ብዘይምምላሱ ፀገም ይፈጥር ብምህላው መዕለቢ ንኽግበረሉ ዘትዮም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ቐፃሊ ናይ ሓበሬታ ልውውጥ ክህሉ ተረዳዲኦም ክብል ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ሓቢሩ።