Home ዜና ኤርትራ መንግስታዊ መዋሊት ግብረ ራዕዲ እያ- ምሸል ሩቢን

ኤርትራ መንግስታዊ መዋሊት ግብረ ራዕዲ እያ- ምሸል ሩቢን

824

̎ኤርትራ መንግስታዊ መዋሊት ግብረ ራዕዲ እያ̎ ክብል ተመራማሪ ጉዳያት ማእኸላይን፣ ምብራቕን ቐርኒ ኣፍሪቃን ማይክል ሩቢን ገሊፁ።

ቅድሚ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ምምሕዳር ቡሽ ንኤርትራ ኣብ ዝርዝር መዝገብ መንግስታዊ መወልቲ ግብረ ራዕዲ ከእትዋ ሓሲቡ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ተመራማሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ማእኸላይ፣ ምብራቕን ቐርኒ ኣፍሪቃን ምሸል ሩቢን እታ ሃገር ኣፍሪካዊት ሰሜን ኮርያ ብዝብል ከምተሰመየትን ኣብ ዓለም ኣዝያ ምልካዊት ምኻናን ኣረዲኡ።

ሕማቕ ምሕደራን ብልሹው ምልኪን ንበይኑ ንሃገራት ንስያመ ግብረ ራዕዳዊት ሃገር እኹል ከምዘይኮነን ኣብቲ እዋን ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ንዝርከቡ ዕጡቓት እትህቦ ደገፍ ነታ ሃገር ኣብቲ ዝርዝር ክትካተት የኽእላዶ ዝብል ክትዕ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ምንባሩ ምሸል ሩቢ ገሊፁ።

ግብረ ራዕዳዊት ሃገር ተባሂላ ክትስየም ዝቐረበ ክትዕ ኣብቲ እዋን ፀሓፊት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዝነበራ ኮንዶሊዛ ራይስ ኣብ ድምዳመ ከይብፃሕ ምልስላስ ከምዘርኣያ ዘገለፀ እቲ ተንታኒ ሕዚ እንትግምገም ጌጋ ዉሳነ እዩ ሓሊፉ ይብል።

ኤርትራ ኣብ ሶማልያ፣ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ምድጋፋ ቀፂላ ኣላ ዝበለ እቲ ተንታኒ ራይስ ነቲ ዉሳነ ተግባራዊ ተዝገብራ ኤርትራዊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንጐረባብቲ ሃገራት ንምዝራግ ክሳብ ክንድዚ ድፍረት ኣይምተሰምዖን ነይሩ ኢሉ።

ንኢሳያስ ምትሕማም ሐዚ ዘምፀኦ እንተሃልወ ዝያዳ ተግባራቱ ብዝተጋደደ መልክዕን ብድፍረትን ግብረ ራዕዲ ምድጋፉ ምቕፃሉ እዩ ይብል።

ምስ ኩናት ትግራይ ብምትሕሓዝ ቕድሚ ክልተ ዓመት ኣሜሪካ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ  ፊሊጶስ ወልደ ዮውሃንስ ማዕቀብ ምንባራ ዘዘኻኸረ ሩቢ ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንተግባር ራይስ ዳግም ከይደግምን እታ ሃገር ከም ሃገር ግብረ ራዕዳዊት ሃገር ክትበሃል ዝሓስበሉ ግዜ ምኻኑ ኣረዲኡ።

ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ መዝገብ መንግስታዊ መወልቲ ራዕዲ እንተትምድባ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓ እውን ነዚ  ስጒምቲ ምሰዓባ ኔረን ዝበለ ምሸል እዚ ድማ ምብቃዕ  ስርዓት ኢሳያስ ምኾነ ይብል።

ንዓሰርተታት ዓመታት ብዲፕሎማሲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቃልሲ ዲያስፖራ  ኤርትራውያንን ዛጊድ ዉፅኢት ከምዘየምፀአ ዝገለፀ ምሸል ሩቢን ንኤርትራ መንግስታዊ መዋሊት ግብረ ራዕዲ ጌርካ ምስያም ነቲ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዘምፅእ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምልካዊ ስርዓት ንምህናፅን ኣብ ወፃኢ ሃገር ስርዓት ኣልቦነት ንምዝራእን ዝጥቀመሉ ገንዘብ ከድርቖ ይኽእል’ዩ ኢሉ።

#ወይኣንተ ቡዙነህ