Home ዜና እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ትካላት ኢራን መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ኣፍሊጣ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ትካላት ኢራን መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ኣፍሊጣ።

1342

መቐለ፥ 16 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኢራን ኣብ ዋና ከተማኣ ቴህራን ሓዊሱ ኣብ ኹዜስታንን ኢላምን ዝተብሃላ ከተማታታ ዝርከቡ ወታደራዊ ትካላት ብ እስራኤል መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖም ሎሚ ንጉሆ ኣፍሊጣ።

“እዚ መጥቃዕቲ ነቲ ብኢራንን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ጉጅለ ዝተዓጠቑ ሓገዝታን ንኣዋርሕ ክፍፅምዎ ንፀንሑ መጥቃዕቲ መልሲ እዩ” ክብል ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብዝተመረፁ ወታደራዊ ዒላማታት ኢና ፈፂምናዮ ዝበለ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል፣ ኢራን ካብ ዝሓለፈ ዓመት 23 መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይምቁራፅ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ናፈፀመት ፀኒሓ እያ ኢሉ።

ሓይሊ ኣየር እስራኤል ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኢራን ናብ እስራኤል ዘወንጨፈቶም ሚሳኤላት ኣብ ልዕሊ ዘፍርዩ ትካላት፣ መከለኻሊ መጥቃዕቲ ኣየርን ማእኸላት መወንጨፊ ሚሳኤልን ዒላማ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ሓሓቢሮም።

ኢራን ብወገና ኣብ ወታደራዊ ግዝኣታታ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ዋላ ተረጋገፀት፣ ብዕውት መንገዲ ኽሺፈዮ እየ ከምዝበለት ቢቢሲ ፀብፂቡ።