Home ዜና እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣግኒንካ ኮነ ኣቕሊልካ ክረአ ዝግባእ ኣይኮነን...

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣግኒንካ ኮነ ኣቕሊልካ ክረአ ዝግባእ ኣይኮነን – ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኾሚኒ።

194

መቐለ፥ 18 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣገኒንካ ክረአ ወይ ድማ ክቃለል ዝግባእ ኣይኮነን ዝበሉ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኾሚኒ፣ ሃገሮም ዓለም ለኻዊ መሰል ዓርሰ ምልክልኻል ንምጥቃም ተዳሊያ ምህላዋ ገሊፆም፡፡

ሃገሮም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ዝገለፁ ፕረዝዳንት ኢራን መስዑድ ፐዚሽካኒ ብግዲኦም፤ ዓርሰ-ምክልኻል ማለት ኲናት ምድላይ ዘይምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዳግም መጥቃዕቲ ከይትፍፅምን ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ሙሉእ ኲናት ከየምርሕን ዘጠንቀቐት ኣሜሪካ፣ ኲናት ጋዛ ደው ኢሉ ሰላማዊ ዘተ ንምጅማር ሞንጎኝነት ኳታር ይሰርሕዎ ንዘለዉ ስራሕ ንኢዳ፡፡

ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ንምፍፃም ክልል ኣየራ ምጥሓሰን ዝነቐፈት ኢራን ብግዲኣ፣ እስራኤል ዓለም ለኸ ሕጊ ኣቪዬሽን ብምጥሓሳ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ከም ዘቕረበት ፀብፃብ ፍራንስ 24 የመላኽት፡፡

ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ምጥቕቓዕ ደው ክብልን ብብርኪ ዞባ ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ጋዛን ሊባኖስን ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክረኽቡን ዝፀውዐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኩነታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ከይኸውን ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነት ክወስዱ ፀዊዑ፡፡

#ብገ/ሄር_ሃይሉ