—-
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትኹረት ክገብረሉ ከምዝግባእ ፃውዒት ቐሪቡ፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መዝረ ብቕልጡፍ ደው ንክብል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ትኹረት ክገብረሉ ከምዝግባእ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብመዝረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለው ወራር ከምዘሻቐሎን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ሓደጋ ዘውድቕን ከምዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ተረዲኡ ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድን ቀንዲ ዛዕብኡ ክገብሮን እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊ መሰል ሰላማውያን ሰባት ንክኽበር እውን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓላፍነቱ ክፍፅም እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ ዕላዊ ገይሩ፡፡ ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ