Home ዜና እዚ ዕለት ኣብ ታሪኽ- ⁠ኲናት ወርሰገ ተምቤን ( መቓብር ጣልያን)

እዚ ዕለት ኣብ ታሪኽ- ⁠ኲናት ወርሰገ ተምቤን ( መቓብር ጣልያን)

408

መቐለ፥19 ለካቲት 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ሕጓ ተምቤን ወርሰገ ሕነ ስዕረት ኲናት ዓድዋ ንምፍዳይ ድሕሪ 40 ዓመት ዝመፀ ወራሪ ሰራዊት ጥልያን ዝተቐበረሉ ፣ኣርማ ፅነዓትን ሓድነትን ሕላገት ጅግንነትን ዓወትን ኣይግዛእን በሃላይነትን እዩ።

ጣልያን ንኢትዮጵያ ንምግዛእ ኣብ ዶጉዓሊ ፣ሰሓጥን ካልኦትን ብእኒ ራእሲ ኣሉላን ሃፀይ የዉሃንስን ካልኦት ጀጋኑ ተጋሩ መራሕትን ብዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ ሓመድ ድበ ኣትዩ እዩ።

ቀፂሉ እዉን ኣብ ዓድዋ ብ1888 ዓ/ም ብእኒ ራእሲ ኣሉላ፣ራእሲ መንገሻ፣ራእሲ ሓጎስ፣ባሻይ ኣዉዐሎምን ካልኦት ጀጋኑን ተጋሩ ዝምራሕ ሰራዊት ኢ/ያ ንፀለምቲ ኣፍሪካዉያን ዘኹርዐ ዓወት ንጣልያን ብሓፈሻ ንፀዓዱ ድማ ዘሕፍረ ታሪክ ተፈፂሙ እዩ።

ብተደጋገሚ ስዕረት ዝተሸከመ ወራሪ ጣልያን ሕነ ዓድዋን ካልኦት ስዕረታቱን ንምፍዳይ ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ን40 ዓመታት ኩለመዳይ ምድላዋቱ ወጊኑ ኣብ ውሽጢ ኢ/ያ እዉን ብስም ቱሪስት ፣ብስም ጅኦሎጂስት/መፅናዕቲ መዓድናት ዘካይዱ/ ፣ ብስም መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝብል ምኽንያት ሰለልቲ ናብ ኢ/ያ ብምዉፋር፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኢ/ያ ቆንስላ ቤት ፅሕፈታት ብምክፋት ናይ ስለላ ስራሕቲ እናካየደ ፀኒሑ እዩ።

ጎቦታት፣ሩባታት፣ገጠራትን ከተማታትን ሕድ ሕዶም ብምፅናዕ ብከመይን ኣበይን ኮይኑ ከም ዘጥቅዕ ፣ ከም ዝካላኸል፣ መንገዲ ካበይ ናበይ ብኣቋራጭ ክሰርሕ ከም ዝኽእል፣ ትሕዝቶ ሩባታት ክረምትን ሓጋይን ጥልቀቶም ብምልካዕ ድልድላት ኣበይ ከም ዝስሩሑን ብኣቐራጭ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስዱ መንገድታት ንምስራሕ ዝጥዕሙን ሙሉእ መፅናዕቲ ድሕሪ ምግባር ብሰለስተ ኣንፈት ኣብ ወርሒ መስከረም 1928 ዓ/ም መረብ ተሳጊሩ ኣትዩ እዩ።

ጣልያን ን7ተ ወርሒ ሙሉእ /ካብ ለካቲት ክሳብ ነሓሰ 1927ዓ/ም ሓይሊ ሰቡን ኣፅዋሩን ኣብ ትሕቲ መግዛእቱ ናብ ዝነበራ ኤርትራን ሶማልያን ኣጓዒዙ እዩ።ኣብ ኲናት 1928 ዓ/ም ጣልያን ልዕሊ 300 ሽሕ ሰራዊት ፣ 30 ሽሕ ፈረስን በቅልን ፣6500 መካይን ፣ክሳብ 500 ዝኾና ኣዉሮፕላናት፣ 500 ታንኪ ፣6000 ሓካይም ፣50 ሽሕ መንገዲ ዝሰርሑ ከምኡ ድማ ናይቲ ኲናት ኩነታት ዝከታተሉን ታሪክ ዝፅሕፉን 300 ጋዜጠኛታትን ፃሓፍቲ ታሪክን ከም ዝተሳተፉ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ብወገን ኢ/ያ ድማ 700 ሽሕ ካብዚኦም ናይ ሰራዊት መፍለዪ ካኪ ክዳን ዝተኸደነ 25 ሽሕ ጥራሕ ከምዝኾነን እቲ ዝተረፈ ድማ ጀሌ ዝተዓጠቐ ገባር ከምዝነበረን ብኣፅዋር ድማ ባህላዊ መሳርሒ ዝተዓጠቑ ከምኡ እዉን ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ዓድዋ ዝተማረኹ መትረ የሱስ፣መዳፍዕ፣ ፀረ-ኣየር ከምዝኾነ ጋዜጠኛ ዻዉለስ ኞኞን ኣብቲ ዉግእ ብኣካል ዝተሳተፈ ኣዶለፍ ፓርላሳክን ኣብ ዝፀሓፍዎም መፅሓፍቲ ተጠቒሱ ይርከብ።

ናብ ተንቤን ብቀሊሉ ክኣቱ ዘይከኣለ ጣልያን ብራእሲ ስዩም ዝምራሕ ሰራዊት ሃርበኛታት ትግራይ ከቢድ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ሰለስተ ግዜ ክሕምሸሽ ገይርዎ እዩ። ተመለሱ /ንድሕሪት ሰሓቡ/ ዝብል ትእዛዝ ሃፀይ ሃይለስላሴ ፀላኢ ካብ መሬት ትግራይ ተፀራሪጉ ንከይወፅእን ተመሊሱ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍፅም ዕድል ፈጢርሉ እዩ። ኣብ ተንቤን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ወርሒ ለካቲት ከበድቲ ዉግኣት ተኻይዶም እዮም።ብፍላይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ጎቦታት ፅለረ፣ ድራምባ፣ ጭንን መልፋን ኣብ ዝተኻየዱ ዉግኣት ጣልያን ሰፍ ዘይብል ስዕረት ተጐልቢቡ እዩ።

ጣልያን ኣብ ኩናት ተንቤን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፣ ጥርን ለካቲትን ከቢድ ስዕረት ገጢምዎ እዩ። ዳግማይ ዓወት ዓድዋ ክድገም ምስበለ ብትእዛዝ ጀነራል ባዶልዮ ብሓደ ግዜ 18 ኣየራት ካብ ከተማ መቐለ እናተበገሳ /ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ስለዝነበረት/ ኣብ ተዋግኣይ ሓይልን ነባሪ ህዝብን መርዚ ጋዝ ረጭዩ እዩ። ብሰማይን ብመሬትን ቁምቡላታት እዝኒቡ እዩ። ንተኸታታሊ 4ተ ማዓልቲ ብኣየራት ምርጫው ጋዝን ደብደባትን ነቲ ክምዝገብ ክኢሉ ዝነበረ ዳግማይ ዓወት ዓድዋ ከይሳኻዕ ጌሩ እዩ።

ኲናት ተንቤን ወርሰገ እዚ ኩሉ ኣፅዋርን ሓይልን ሒዙ ንዝኣተወ ፋሽሽቲ ጣልያን ዓንዲ ሕቑኡ ዝሰበረን ፀላእቲ ባዕሎም ኲናት ተንቤን ጅግንነትን ቆራፅነትን ህዝቢ ሓበሻ ብዓይኒ ዘራጋገፅናሉ እዩ ኢሎም ዝመስከርሉን እዩ።

ብ1928 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ራእሲ ስዩም መንገሻ ኮይኖም ይዋግኡ ብዝነበሩ ጀጋኑ ሃርበኛታት ተጋሩ ዝተቐተሉ 10888 ሰራዉት ጣልያን ኣብ ወርሰገ ተንቤን ተቐቢሮም ክተርፉ ጌሮም እዮም፡፡

ኣብ ኩይናት ተንቤን ወርሰገ ብኒውዮርክ ሄራልድ ትሪቡን ጋዜጣ ዝተፀሓፈ ኢሉ ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኞኞ ” የኢትዮጵያና የኢጣልያ ጦርነት”ኣብ ዝብል መፅሓፉ 250,000(250ሽሕ ) ኢትዮጵያውያን ብመርዚ ጋዝ ከም ዝሞቱ ይገልፅ።

እዚ ኹሉ ወርቃዊን ህያው ጀግንነታዊ ታሪኽን ዝተሰከመ ወርሰገ ብምልማዕ ናብ ቁጠባውን ማሕበራዉን ተጠቃምነት እቲ ከባቢ ክልወጥ ምስራሕ የድሊ።

መበል 89 ዓመት ዝኽሪ ኲናት ወርሰገ ተምቤን ሎሚ 19 ለካቲት 2017 ዓ.ም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊትን መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ተዘኪሩ።

ፍልፍል ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓብዪ ዓዲ 

ምላሹ ኪዱ