Home ዜና ውሽጢ ዓዲ እግሪ ምትካል ንጉድኣት ኣካል ተጋደልቲ

እግሪ ምትካል ንጉድኣት ኣካል ተጋደልቲ

268

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ለንደን 5 ሚልዮን ብር ሓገዝ ብምግባር ምስ ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ካብ 20 ወረዳታት ትግራይ ዝተመልመላ 160 ደቂ ኣንስትዮ ተመለስቲ ኣካል ጉድኣት ተጋደልቲ ብምድላው ምግቢ ስልጠና ተዋሂብወን ናብ ተግባር ንምእታው ምድላዋት ከምዝተወገኑ ኣፍሊጣ።

ተወካሊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ለንደን ወይዘሮ ኤደን ኣሰፋ ምእንተ ህዝበን ኢለን መጉዳእቲ ዝበፅሐን ተመለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕዋይ ዝተጀመረ ሓገዝ ቐፃላይ ምዃኑ ሓቢረን።

እተን ኣካል ጉዳኣት ተጋደልቲ ብቁጠባ ክሓውያን ዓርሰን ክኽእላን ዝተገበረለን ሓገዝ ብምምስጋን ካልኦት ነቲ ዕድል ዘይረኸባ ደቂ ኣንስትዮ ክሕገዛ እዉን ፀዊዐን።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ናስር መምሑር ንካልኦት መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተመለስትን ስድራ ስዉኣትን ንምሕዋይ ዝግበሩ ስራሕቲ ቐፀልቲ ምዃኖም ይዛረቡ።

ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስልጠናን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣይተ ገ/መድህን ሓጎስ እተን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ስልጠና ዝወሰዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኮሌጃት ተወሰኽቲ ዓቅሚ መዕበዪ ስልጠናታት ብምሃብ ብፅሬት ኣብ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ክኾን ከምዝስራሕ ኣፍሊጦም።

#ገብረመድህን_ ተወልደመድህን