መቐለ፥ 15 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ተኸቢሩ።
ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ኣብሄር ከም ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ዓኾዓኾኾይ፣ ግዕዝምን ሶላን ምረቓን ሓዊሱ እቶም ዘይተበረዙ ቀንዲ መግለፂ ክብርታት በዓል መስቀል ዝኾኑ ንጥፈታት ክስነዱን ክላለዩን ዝተገበረ ፃዕሪ ዝነኣድ ምዃኑ ሓቢሮም።
ትግራይ ቦኽራ ደሚቕ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ እምነትን ሃይማኖት፣ ፅንዓትን ጅግንነትን፣ መንነት፣ ስልጣነ፣ ፍልስፍና፣ ምህዞን ፣ ስነ-መንግስቲን ካልኦት ዓበይቲ ክብርታትን እያ ኢሎም።
ኣብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ እውን ቅድመ ስልጣነ ኣኽሱም ናይ ዝነበረ ዘመን ሓዊሱ ናይ መዋእላት ብልሒ ሕሉፍ ወለዶ ዘመላኽቱ ኣሰር ቴክኖሎዲ ኢንዱስትሪ ሓፂነ መፂን፣ ኣሰራርሓ ምንፃፍ ወለል (ሴራሚክስ)፣ ሃፍቲ ተፈጥሮን እንስሳን ዘመላኽቱ ናይ ከውሒ ስእልታት ዝርከብሉ ከባቢ ምዃኑ ሓቢሮም።
ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ከባቢኡን ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ገና ዘይተፀንዑ መካነ መቃብራት፣ ዕድመ ፀገብ ውቁባት ስነ-ህንፃ፣ ኣካል ባህሊ ዓጋመ ዝኾነ ውቁብ ዘይድህሰስ ሓድጊ፣ ዝወቀቡ ህንፃታት ኣበያተ ክርትያን፣ ገዳማት፣ ዓበይቲ ማእኸል መንግስታትን ጥንታዊ መንደራትን ሓቂፉ ዝሓዘ ናይ ቀፃሊ ማእኸል ምርምር ስነ-ጥንትን መስሕብ ቱሪዝምን ዝኾነ ኸባቢ ምዃኑ ገሊፆም።
ተቐቢሩ ዘሎ ታሪኽ ነዃል እምንን ማርያም ጣቆትን ሓዊሱ ኣብቲ ወረዳ ዘለው ሃፍትታት ቱሪዝም ብዝግባእ ተፀኒዖም፣ ለሚዖም ናብ ረብሓ ማሕበረሰብ ክቕየሩን እቲ ብፅንዓቱን ጅግንነቱን ዝፍለጥ ህዝብና ዝግበኦ ረብሓ ክረክብ ፣ ክብርታቱ ዓቂቡ መንበሪ ስልጡናትን በላሕትን ዝነበረ ኸባቢ ምዃኑ ዘመላኽቱ ልምዓት ቱሪዝም ንምርግጋፅ ህዝብን ምምሕዳርን ጠንኪሮም ክሰርሕሉ ይግባእ ኢሎም።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እውን እዚ ክሳኻዕ ዝግበኦ ግደ ከምዝፍፅም ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ ምስ ካልኦት ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብሓፈሻ ስጡም ፓኬጅ ምትእስሳር ቱሪዝም ብምፍጣር፣ ህይወት ዕሸላት መናእሰይና እናቀዘፈ ትግራይና እቲ ዝኸበረ ሃፍታ ዝኾነ መንእሰይ ዘስእና ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ንምትራፍ ኣጠንኪርና ክንሰርሐሉ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
በዓል መስቀል ትግራይ ዓድና ሐዚ ካብ ዘላቶ ቑስልን ቃንዛን ንምውፃእ ክትጥቀመሎም ዝግባእ ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታት ኣለዉዋ፤ኣብ እዋን በዓል መስቀል ኣብ ዝተፈላለየ ክፍል ዓለም ተበቲኖም ዝነበሩ ኣዝማድን ስድራን ዝተኣኻኸብሉ፣ ሓድነትን ምትእኽኻብን ዝዕምብበሉ፣ ማሕበራዊ ፀገማት ዝፍተሕሉ፣ ማሕበራውን ባህላውን ስርዓታት ሕብርተሰብ ዝፍፀምሉ ፍልፍል ኩሉ-መዳይ ረብሓ ሕብረተሰብ ከምዝኾነን ብካሊእ መንገዲ ዝሓርፈፈ ሓድነት ዝጥንክረሉ፣ ዝተበተነ ዓቕሚ ዝእከበሉ፣ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ሓበራዊ ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ጥጡሕ ባይታ ካብ ዝፍጠረሎም ክብረ በዓላት ሓደ ምዃኑ አረዲኦም።
ከም ማሕበረሰብ ረዚን መስዋእትን ተኸፊልዎ ዝተረኸበ ዓወት ህዝብና ብምዕቃብ ተጀሚሩ ዘይተወደአ ቃልስና ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ብሄራዊ ረብሓ ትግራይን ትግራዋይነትን ከም ጠጠው መበሊ ዓውዲ ብምጥቃም ኣፈላላያት ፖለቲካዊ መራሕቲ ህውሓት በቲ ንንቕሓት ተጋሩ ዝገልፅ ጥበብ ዝተመልኦ ትዕግስቲ ዘለዎ መንገዲ ክፍታሕ፣ ፀሊም ታሪኽ ከይነትርፍ፣ ትግራይ ከይትንእስ፣ መንነት ከይራኸስ፣ ባህጊ መንእሰይ ወለዶ ከይባኽን መራገፂ ሜዳ ናይ ዝፀገቡ ፀላእቲ ትግራይ ከይንኸውን ኩላትና ብሓደ ልቢ እጃምና ንዋፃእ ክብሉ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
ክብሩ ዘይሓለወ ህዝቢ ማንም ኣየኽብሮን ጥራሕ ዘይኮነስ ፀላእትና ሕቆና ምጉባጡ ፈሊጦም መሊኦም ከየቃብፁና ክብርታት በዓል መስቀል ንሓድነትናን ብሩህ መፃኢናን ክንጥቀመሉ ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ፃውዒቱ የቕርብ እውን ኢሎም።
ክብርታት በዓል መስቀል ዝያዳ ክዕቀቡ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብዝሓሸ ምውዳድ፣ ዝበረኸ ምድግጋፍ፣ ዝሰጠመ ሓድነት፣ ዝደመቀ ፅንብል፣ ንምኽባር ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎሞ ዶ/ር ኣፅበሃ።