Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብማዕርነት ዝሳተፈሉ ቤት ምኽሪ ዘለዎ ሲቪል ግዝያዊ ምምሕዳር ክትከል...

ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብማዕርነት ዝሳተፈሉ ቤት ምኽሪ ዘለዎ ሲቪል ግዝያዊ ምምሕዳር ክትከል ተሓቲቱ።

180

መቐለ፥ 06 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) –

ገጢሙና ዘሎ ፀገማት መንቀሊኡ ፖለቲካዊ ስለ ዝኾነ እዚ ውድቀት ክፍታሕ ዝኽእል ድማ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብማዕርነት ዝሳተፈሉ ቤት ምኽሪ ዘለዎ ሲቪል ግዝያዊ ምምሕዳር እንትትከል እዩ ኢሎም ፖለቲካዊ ውድባት ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶና፣ውናትን ዓረናን ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ።

ስለ ዝኾነ መንእሰይ ትግራይ፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ዲያሰፖራን መላእ ህዝብናን እዚ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንክመፅእ ናይ ጕጅለታት ሓደ ስርዓት ምስሕሓብ ወጊድ ብምባል ኣብ ጎንና ኮይኑ ክቃለስ ፃውዒትና ነቕርብ ኢሎም።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ውግንና ናፃ ብምዃን ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ኮይኑ ብሕጊ እናተመርሐ ንረብሓ ህዝቢ ዓድን ጠጠው ዝበለ ክኸውን ይግባእ ድማ ኢሎም።

ኣብ ቀረባ እዋናት ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምምላስ ግዝኣት፣ ዲዲኣርን (DDR) ካልኦትን ብትግራይ ወገን ዝግበሩ ስምምዕ ይኹን ውዕላት ግልፅን ንህዝቢ ተሓታቲ መንግስቲ ስለ ዘየለ ትሕዝቶን ኣፈፃፅምኦምን ንህዝብን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ዕላዊ ክግበርን ንሓትት ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

#ቶማስ_ሓዱሽ