Home ዜና ኩባኒያ ቦይንግ ብዘጋጠሙ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ዓማዊሉ ዝነበሮም እምነት ይንኪ ኣሎ – ቢቢሲ

ኩባኒያ ቦይንግ ብዘጋጠሙ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ዓማዊሉ ዝነበሮም እምነት ይንኪ ኣሎ – ቢቢሲ

402

መቐለ፥13 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን ክህብ ዝፀንሐ ሳተላይት ኣብ ማእኸል ህዋ ብምብትታኑ ኩባኒያ ቦይንግ ብዓማዊሉ እምነት ስኢኑ።

ኩባኒያ ኢንተልሳት ክጥቀመሉ ዝፀንሐ ስርሒት ቦይንግ ኣይ ኤስ 33ኢ፤ ኣብ ኣፍሪካ፣ ክፋል ኤስያን ኣውሮፓን ንዓማዊሉ ግልጋሎት ክህብ ምፅንሑ ዘማላኸተ ማእኸል ኮሙዪኒኬሽን ኢንተልሳት፤ ንምቁራፅ ግልጋሎቱ ኩባኒያ ቦይንግ ተሓታቲ ምዃኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ክፈልጥ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብ ኩባንይኡ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ይግምግሞ ምህላዉ ዝጠቐሰ ማእኸል ኮሙዩኒኬሽን ኢንተልሳት፤ ኣብ ዓማዊሉ በፂሑ ንዘሎ ምቁራፅ ኣገልግሎት ምስ ኩባኒያ ቦይንግን መንግስቲ ኣሜሪካን ዘተ ከም ዝህልዎ ዕላዊ ገይሩ፡፡

20 ዝኣኽሉ ቁርፅራፅ ኣካላት ሳተላይት ኣብ ህዋ ምህላዎም ከም ዝተዓዘቡ ዘረጋገፁ ሰብ ሞያ ህዋ ኣሜሪካ ብግዲኦም፤ ብኣይ ኤስ 33ኢ ዝፍለጥ ሳተላይት ሓደጋ በፂሕዎ ምህላዉ ከም ዘረጋገፁ ፀብፃብ ቢቢሲ የማላኽት፡፡

ኩባንያ ቦይንግ፤ ብኣይ ኤስ 33ኢ ዝተመዝገበ ሳተላይት ናብ መሬት ክምለሳሉ ንትካል ዓለም ለኸ ህዋ ሕቶ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዘመላኸቱ ፀብፃባት ክሳብ ሕዚ ክካየዱ ዝፀንሑ ፃዕሪታት ብዘይ ፍረ ምትራፎም ገሊፆም፡፡

ኩባኒያ ቦይንግ ብማክስ ዝፍለጣ ኣይሮፕላናት ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ቅልውላው ዝፀንሐ እንትኾን፤ ሰራሕተኛታቱ ንምንካይ ዘውፀኦ መምርሕን ሕዚ ገጢምዎ ዘሎ ምብትታን ሳትላይትን ስዒቡ ብደረጃ ኩባኒያ ናብ ሓደጋ ከይኣቱ ስግኣት ብዙሓት ኮይኑ ምህላዉ ዓለም ለኸ ፀብፃባት የማላኽቱ ፡፡

#ገ/ሄር_ሃይሉ