Home ዜና ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልምዓት ኢንቨስትመንት ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ራያ ዓዘቦን...

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልምዓት ኢንቨስትመንት ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ራያ ዓዘቦን ኣመልኪቱ ውሳነ ከመሓላልፍ ትፅቢት ይግበር ተባሂሉ።

547

መቐለ፥ 04 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ምምሕዳር ወረዳ ራያ ጨርጨር እንታይ ይብል?

ምምሕዳር ወረዳ ራያ ጨርጨር ብዛዕባ ኣብታ ወረዳ ዘለው ኢንቨስተራት ኣመልኪቱ ከምዝሓበሮ ካብቶም ዘለው ኢንቨስተራት እቶም 26 ኣብ ስራሕ ከምዘየለውን በቲ ዝወፀ መምርሒ መሰረት እውን ከምዘየልምዑን ሓቢሩ።ብቖዋምነት ከልምዕዎ ኣብ ዝሓዝዎ መሬት ካብ ዝናብ ክረምቲ ተፀብዮም ዝዘርኡ ከምዘለውን ከይለምዐ ዝባደመ መሬት እውን ምህላውን እውን ገሊፁ።እቲ ዘሎ ሓበሬታ ድማ ናብ ቢሮ መሬትን መዓድንን ኮምሽን ኢንቨስትመንትን ትግራይ ከምዝለኣኸ ይገልፅ።

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ እንታይ ይብል?

ኣብ ኢንቨስትመንት ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ራያ ዓዘቦን ካብ ዘለው ኢንቨስተራት እቶም 41 ኣብ ተግባራዊ ስራሕ ከምዘየለው ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ራያ ዓዘቦን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሄክታር ብኢንቨስትመንት ዝለምዕ መሬት ከምዘሎ ኣብቲ ኮሚሽን ዳይሬክተር ገምጋም ክትትልን ደገፍን ኣይተ ደስታ ገብረገርግስ ገሊፆም።ኣብ ክልቲኦም ወረዳታት ብስሞም ዝተመዝገበ ካርታ ዝሓዙ 132 ቆወምቲ ኢንቨስተራት ከምዘለው ዝሓበሩ ኣይተ ደስታ ገብረገርግስ ከም ዞባ እቶም 41 ኢንቨስተራት ኣብ ስራሕ ከምዘየለው ምስ መዳርግቲ ኣካላት ፅንዓት ከምዘተካየደ ሓቢሮም።

ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ከ?

ካብ እቶም 41ኣብ ወረዳታት ራየ ጨርጨርን ራያ ዓዘቦን ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ክሳብ ሐዚ ናብ ስራሕ ዘይኣተው ፤ እቶም 20 ኢንቨስተራት ን6 ወርሒ መጠንቀቕታ ከምዝተወሃቦም ሓላፊ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ገብረሂወት ሓቢሮም።እቶም 4 ጠቕሊሎም ክምንጠሉ ከምዝተወሰነ እውን ኣፍሊጦም።ተፈፃምነቱ ብዝምልከት እቲ ጉዳይ ናብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተመሪሑ ከምዘሎን ብውሳነ እቲ ካቢኔ መሰረት ከምዝትግበር ድማ ኣገንዚቦም።

ኣይተ ካልኣዩ ገብረሂወት
ሓላፊ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ

ብግዝያውነት ብዛዕባ ከልምዑ ዝተፈቐደሎም መምርሒ ኢንቨስትመንት እንታይ ይድንግግ?

ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ከይለመዐ ዝፀንሐ መሬት ንዝነበረ ፀገም ግዝያዊ ፍታሕ ንምሃብ ብመምርሒ “ምሕደራ ግዝያዊ ተሓራሲ መሬት” ቁፅሪ 1/2014 ንዝተወነ ዓመት ብግዝያዊነት ንክለምዕ ድሌት ዘለዎም ኢንቨስተራት ብግልፂ ተወዳዲሮም ከምዝኣተው ኮሚሽን ኢንቨስትመንት የረድእ።

ኣገባብ ኣለማምዓ እቲ መሬት ዝምልከት ብዝናብ ክረምቲ ዝለምዕ ዝራእቲ ሕርሻ ጥራሕ ትኹረት ከምዝገብር እዩ እቲ መምርሒ ይድንግግ።

ብመሰረት እዚ ካብ 30 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ክሳብ 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ንከልምዑ ብዝተወሃቦም መምርሒ ውፅኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ከምዝሰርሑ ሓቢሩ። ኣብቲ እዋን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩነታት ተኣሳሲሩ ካብ 2015 ዓ.ም ክሳብ 30 ታሕሳስ 2016 ንከልምዑ ዕድል ከምዝተወሃቦም እውን ወሲኹ የብርህ።
ካብ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ግን ጠቕሊሎም ንክለዓሉ መምርሒ ከምዝተቐመጠ ይንፅር።
ብመሰረት እዚ መምርሒን ዝተወሃበ ፅንዓትን ኣብ ልምዓት ኢንቨስትመንት ራያ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን መልሲ ከምዝህበሉ እቶም ኣብያተ ዕዮታት ገሊፆም።

#ብመለስ_ኣለማት