መቐለ፥ 4 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ካብ ነገስታት ኣብርሃ ወኣፅብሃ ሓድነት፣ ፍቕርን ጥበብን ክንምሃር ይግባእ ኢሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብፁዕ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብርሃ ወኣፅብሃ ትሸዓተ ኣበው ሊቓነ ጳጳሳትን ኣመንትን ኣብ ዝተረከብሉ ብድምቐት ተከቢሩ።
እቲ በዓል ትሸዓተ ኣበው ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ ስብከት ትግራይን ኣመንትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቐት ዝተከበረ እንትኾን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ብፅዕ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ካብ ነገስታት ኣብርሃ ወኣፅብሃ ሓድነት፣ ፍቕርን ጥበብን ክንምሃር ይግባእ ኢሎም።



ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣውሮፖ ብፅእ ኣቡነ ኤፍሬም ነገስታት ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን እምነት ክርስትና ክተኣታቶ ዝገበሩ ምኻኖም ብምግላፅ ገዳማትናን ታሪኻትናን ዓቂብና ዓለም ክፈልጦ እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ ኢሎም።
ንገዳም ኣብርሃ ወኣፅብሃ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝም ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምቕያር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ እናሰርሐ ከምዝርከብ ድማ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ.ር ኣፅብሃ ገ/ሄር ገሊፆም።
ኣብቲ ክብረ በዓል ንምስታፍ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ማእኸል ሃገርን ዝመፁ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብቲ በዓል ምስታፎም ሕጉሳት ሙኻኖም ብምግላፅ በፃሕቲ ዓዲ መፂኦም ክህውፁ መሰረተ ልምዓት እታ ጣብያ ክማልኡ ፀዊዖም።