Home ዜና “ኵሊተይ ከውፅእዎ ኢሎም እንታይ እየ ክገብር…? ኢሉኒ ወደይ”

“ኵሊተይ ከውፅእዎ ኢሎም እንታይ እየ ክገብር…? ኢሉኒ ወደይ”

562

መቐለ፥ 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ወ/ሮ ኣስካለ ውበተ ይበሃላ። ነባርነተን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ጣቢያ ሓወልቲ እየን። እዘን ወላዲት ማእገር ክኾነኒ ኢለን ዘምሀርኦ ውላደን እኳ እንተነበረ ከም ትፅቢተን ክኾነለን ኣይከኣለን።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ፅንተታዊ ኵነታት ስዒቡ ዘጋጠመ ናይ ፀጥታ ሓጓፍ ከስርሖ ዝኽእል ባይታ ብዘይምርካቡ፣ ዶባት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣቋሪፁ ሊብያ ብምብፃሑ  ባዕለንን ኣብ ኢድ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዘሎ ውላደንን ኣብ ከቢድ ጭንቂ ከም ዘለዋ ገሊፀን።

ወ/ሮ ኣስካለ ከም ዝገለፅኦ “ኣብ ኣካለይ ብዘሎ ማህሰይቲ ተጠዋሪት ኮይነ እየ። ወደይ ንዓይ ንምጥዋር ክብል እንዳ ባኒ ከፊቱ ስራሕ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ንመሳርሒ ዝጠቀመሎም ዝነበረ  ኣቚሑት እንዳባኒ ምስ ተሰረቐ ግን ክሰርሕ ኣይኸኣለን። ኣብዚ ክሰርሕ ስለ ዘይኸኣለ ድማ ንዓይ ንምጥዋር ክብል መንገዲ ስደት መሪፁ።” ክብላ ገሊፀን።

ስድራ ቤት ወይዘሮ ኣስካለ ውበተ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ብርክት ዝበላ ስድራ ቤታት ግዳይ ሰላሕታዊ መርድእ መዘዝ ዘይሕጋዊ ስደት ካብ ዝኾና ስድራ ቤታት ሓንቲ እያ።

ቀንዲ ፍልፍል እቲ ኣሽሓት ዜጋታት ዘህልቕ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ምኽንያታት ካብ ዝኾኑ ሸቕሊ ኣልቦነትን ስእነት ምዕሩይ ምሕደራን ርሒቖም ዝሓሸ ናብራ ክህልዎም ኢሎም ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብርቱዕ ዋዒ ብዘለዎም በረኻታት ይጓዓዙ፤ ኣዝዩ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ይሰግሩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብመዝመዝቲ ኣሰጋገርቲ ግዳያት ንዓመፅ፣ ስቅያት፣ ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተቓላዕቲ እናኾኑ መፂኦምን ይቕፅሉን ኣለዉ። እዚ “ባሕሪ ከም ሰጣሕ ጎልጎል ገይሩ ዝሰኣለ ኣረኣእያ ዘይሕጋዊ ስደት” ንስድራ ወ/ሮ ኣስካለ ውበተ ሓዊሱ መፃኢ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዘፀልመተ ህሞት ከም ዝኾነ እዘን ወላዲት ይምስክራ።

ድሕሪ ነዊሕን ሓደገኛን ጕዕዞ ሊብያ ዝበፅሐ ውላድ ወይዘሮ ኣስካለ፣ ኣብ ኢድ ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ብምውዳቑ ብሚልዮናት ገንዘብ ከም ዝተሓተታ ይገልፃ።

“ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን 1.5 ሚልዮን ቅርሺ ኢሎምኒ። ሕዚ ኣብ ልዕሊኡ ብዘውረዱሉ ከቢድ ማህሰይቲ ምስ ሓመመ ግን 300 ሽሕ ቀኒሶም 1.2 ሚልዮን ቅርሺ እንተዘይ ኣእቲኺ ወድኺ ኣይትረኽቢዮን ኢኺ” ኢሎምኒ ክብላ ብንብዓት ዝተዓጀበ ቃላት ተዛሪበን።

እቶም ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ሰባት፣ ውላድ ወ/ሮ ኣስካለ ምስ ወላዲቱ ክራኸብ ብምግባር፣ እቲ ዘይተኣደነ ገንዘብ ኣታዊ ንኽገብራ ከም ዘጠንቀቕወን ዝገለፃ እተን ወላዲት፣ ካብ ወደን ዝሰምዕኦ ቃል እንተሃለወ ግን “ኵሊተይ ከውፅእዎ ኢሎም እንታይ እየ ክገብር” ዝብል ናይ ምሕፅንታ ቃል ከም ዝተዛረበን ኣረዲአን።

እቲ ዝተሓተትኦ መጠን ገንዘብ ንምርካብን ወደን ንምድሓንን ዓቕሚ ገዝአን ከም ዘይፈቕደለን ዝገለፃ ወ/ሮ ኣስካለ፣ ካብ መንግስታዊን ለገስቲ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ገንዘብ ንምርካብ ዝገበርኦ ፃዕሪ ከም ዘይሰለጠን ብምሕባር፣ ህፁፅ ሓገዝ ኣብ ዝጠልባሉ ኵነታት ከም ዘለዋ ሓቢረን።

ሓላፊ ቢሮ ጕዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ፣ ኣብ ትግራይ ንዘጋጠመ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ  ቅልውላው ስዒቡ “ካብ ኢድ ወለዲ ጠፊኦም ናብ ስደት ዘቕንዑ መናእሰይ ከም ዘለዉ ኾይኑ፣ ቚፅሮም ዘይንዓቑ ስድራ ቤታት እውን ደቆም መሪቖም ናብ ስደት ዝሰዱ ኣለዉ” ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣብ 11 ወረዳታት ዞባ ማእኸል፣ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብዝተገበረ ዳህሳስ ጥራሕ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘለዉ 3 ኣዋርሕ  ልዕሊ 6,600 መናእሰይ ተሰዲዶም  ኢሉ። እዚ ኣሃዝ ዝነኣሰ ከም ዝኾነን ካብኡ ክውስኽ  ከምዝኽእልን እዩ ዝገልፅ።

ኣይተ ሓይሽ ከም ዝበሉዎ “መሪሕነት ትግራይ ካብቲ ሕዚ ኣቲዩዎ ዘሎ ቁርቁስ ብምውፃእ፣ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ዓብይ ሓደጋ ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ፈለማ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ምስ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ለገስቲ ትካላት ብምዃን ክስርሐሉ ይግባእ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብዘሎ ዂናትን ዘይምርግጋዕን ካልኦት ምኽንያታትን ዝቕፅል ዘሎ ሓደገኛ ጕዕዞ ስደት ተፀኒዑ፣ ዓለምለኸ  መፍትሒ ክቕመጠሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክፅውዕ ፀኒሑ እዩ። እቲ ኮሚሽን  ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 117 ነጥቢ 3 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ካብን ናብን ከም ዝተሰደደ ኣብ ዘውፅኦ ዕላዊ ፀብፃብ ገሊፁ እዩ።

#ብምሩፅ_ሃይለ