መቐለ፥ 6 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ወፍሪ ክትባት መከላኸሊ ሕማም መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ካብ 9-13 ሕዳር 2017 ዓ/ም ኣብ 81 ወረዳታት ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ።
እቲ ወፍሪ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ፣ቢሮ ትምህርቲ፣ ዩኒሴፍን ምስ ካልኦት መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝካየድ ብምሕባር ካብ 9 ክሰብ 14 ክሊ ዕደመ ንዘለዋ ኣዋልድ ከምዝዋሃብ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ሪአ ኢሳያስ ገሊፆም።

30 ክሳብ 65 ዝዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ ድማ በቢሰለስተ ዓመት ምርመራ ክገብራ ፀዊዖም።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ኮይኑ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ዘለዋ ድማ ኣብ ትካላት ጥዕናን ግዚያዊ ክታበት ዝወሃበሉ ናቑጣን ክወሃብ እዩ ኢሎም ዶክተር ሪአ ።
እዚ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ንኽዕወት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብምውዳድ ክሰርሕ ድማ ፀዊዖም።
ኢየሩሳሌም_ገ/መድህን