Home ማሕበራዊ ዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ...

ዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክኸውን ተወሲኑ።

724
0

ንዝሓለፉ ኽልተ መዓልትታት ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክኸውን ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ ብፅእ ኣቡነ ኢሳያስ፣ ብፅእ ኣቡነ መርህ ክርስቶስን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስን ሓዊሱ በርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተረኸቡ እንትኾኑ፣ ትግራይ ናይ ባዕላ ዋና ቤት ፅሕፈት ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክህልዋን ነዚ ዘፈፅም መምርሒን ደንብታትን ክህልዋ ብምግባር ንክልተ መዓልታት ዋዕላ ድሕሪ ምክያድ መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝብሃል ዋና ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ክጣየሽ ተገይሩ ኣሎ። ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ከተማ መቐለ ንክኸውን ዝወሰነ እንትኾን ጉባኤ ጳጳሳት ትግራይ እውን ክጣየሽ ክኢሉ እዩ።

እታ ቤተ ክርስትያን ምስ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ብዕሊ ከምዘቋረፀት ይዝከር።

Previous articleስነ-ስርዓት ቐብሪ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ(ወዲ ነጮ) ሎሚ ተፈፂሙ፡፡
Next articleሞት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ