Home ስፖርት ዋንጫ ኣውሮፓ 2024

ዋንጫ ኣውሮፓ 2024

114

ንመበል 17 ግዘ ዝካየድ ዋንጫ ኣውሮፓ 2024 ሎማዓንቲ ዓርቢ ኣብ ጀርመን ክጅመር እዩ።

24 ሃገራዊያን ጋንታታት ኣብ ሽዱሽተ ምድብ ተመዲበን ግጥም ዘሳልጣሉ ዋንጫ ኣውሮፓ 2024 ሎማዓንቲ ምሸት ሰዓት 4 ኣሰናዳኢት እቲ ውድድር ጀርመን ምስ ስኮትላንድ ብዘራኽብ ፀወታ እዩ ክጅምር።

ፀወታ ክልቲአን ሃገራዊያን ጋንታታት ኣብ ከተማ ሙኒክ ልዕሊ 66 ሽሕ ተመልከቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣብ ዘለዎ ስታድየም ኣልያንዝ ኣሬና ዝካየድ ኮይኑ ፈረንሳዊ ዳይና ክልሜንት ተርፒን ብዋና ዳይነት ክመርሕዎ እዬም።

ዋንጫ ኣውሮፓ 2024 ቀዳም ብምቕፃል ሃንጋሪ ምስ ሲዊዘርላንድ ፣ ስፔን ምስ ክሮኤሽያ ፣ ጣልያን ምስ ኣልባንያ ክፃወታ እየን።

ዋንጫ ኣውሮፓ 2024 ንሓደ ወርሒ ዝካየድ ኮይኑ መፃኢ ሓምለ 7/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ በርሊን መፈፀምታ ክረክብ እዩ።

#ክብሮም ተስፋይ