መቐለ፥ 12 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 11 መስከረም 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ዝርዝር ምይይጥ ብምክያድ ሓበራዊ ቅዋም ኣውፂኡ ኣሎ።
ኣብቲ ዘውፀኦ ሓበራዊ ቅዋም መንግስታዊ መደባታት ንምልዓል፣ ሓደሽቲ ምድባት ንምክያድ ወይ ውሳነታት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምፍራስ ይኹን መሓውር መንግስቲ ንምህዋኽ ዝግበር ፈተነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ካቢኔን ፕሬዚደንትን ግዝያዊ ምምሕዳር ብሕጊ ዝተደንገገን ብዕላዊ ኣግባብ ዝተቐመጠን መንግስታዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእን ዝተማለአ መንግስታዊ ቁመና ንምውናን ኣብ ኩሎም ትካላትን መሓውራትን መንግስቲ ዘድሊ ናይ ሓላፍነት ምደባታትን ምትዕርራያትን፣ ናይ ህዝቢ መድረኻትን ናይ ለውጢ ስራሕቲን ሕግን ስርዓትን ብዝሓለወ ኣግባብ ምክያድ ከምዝቕፅል ገሊፁ።
እዚ ከይዲ መንግስታዊ መደብን ዕማምን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣብዚ መዳይ ዝህሉ ዝኾነ ይኹን ምትዕንቃፍ ብሕጊ መሰረት መልክዕ ንምትሓዝ ክስርሐሉ ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ዘይኾነስ ኣብ ዉሽጢ ውድብ ህወሓት ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነቱ ዝተፈጠረ ምክፍፋል እዩ ኢሉ።
እቲ ምክፍፋል ኣብ መሓውር መንግስቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ኣሉታዊ ግደ ከምዘሎ ኮይኑ ንግዝያዊ ምምሕዳር ከም መንግስትን ንመንግስታዊ ስራሕቱን ግን ፈፂሙ ዘይምልከትን ዘየካትትን ምዃኑ ሓቢሩ።
ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክፍፀም ኣብ ምግባር፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ምርግጋፅን ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ንምምላስ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ ብምትእኽኻብ ዝተወደበን ዝተናበበን ስራሕ ከምዝስራሕ ኣብሪሁ።
ኣካላት ፀጥታ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ፀገማትን ፈተናታትን ተፃዊሮም ፀጥታ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ኣድማዒ ስራሕቲ ንኢዱ።
ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፀለመን ጠቐነን መንግስቲ ብሕጊ መሰረት ስርዓት እናትሓዞ ከም ዝኸይድ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ ቅዋም መግለፂ ኣፍሊጡ።