
መቐለ፥ ሰነ 22/2017 ዓ.ም.(ቴሌቪዥን ትግራይ)
ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ብምጥንኻር ኩለመዳይ ሕውየት ንምርግጋፅን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ንምትራፍን ከም ዝስራሕ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስ ቢሮ ጉዳይ ገሊፀን።

ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ዝሰርሕ ፕሮጀክት 3R ንምትግባር ምስ ዝተጣየሸ ስትሪንግ ኮሚቴ ዞባ ደቡብ ትግራይ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ፕሮጀክት 3R ብምትሕብባር ባንኪ ዓለምን ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ዝትግበር ኾይኑ ሕውየት፣ ምሃብ ግብረ መልሲን ምግታእ ፀገምን ዝብሉ ዕላማታት ሒዙ ዝሰርሕ ፕሮጀክት እዩ።
መተሓባበሪ ፕሮጀክት 3R ኮምፐነንት 2 ኣይተ ተኽላይ ገ/የሱስ እቲ ፕሮጀክት ኣብ 14 ወረዳታትን ልዕሊ 150 ጣብያታትን ትግራይ ብ51 ሚልዮን ብር
ከም ዝሰርሕ ገሊፆም።
ፆታ ተኮር መጥቃዕቲ ምክልኻል፣ ክንክን ንግዳያት፣ ስልጠና፣ኣብ እዋን ኩናት ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ መዕቖቢ ኣብ ምስራሕ፣ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሕክምና ንክኸዳ ንመጓዓዓዚ ገንዘብ ምሃብ ፣ብሰንኪ ፀገም ካብ ትምህርቲ ዝተረፋ ተምሃሮ ናብ ትም/ቲ ንምምላስ፣ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ውሑስ መፅንሒ ማእኸል ምስራሕን እግሪ ምትካልን ዕማማት እቲ ፕሮጀክት ምዃኖም ኣረዲኦም።


ኣብቲ መድረኽ መበገሲ መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረባ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኣለማት ኣማረ እቲ ቢሮ ኣብ 2022 ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምንቅስቓሳት ማዕረ ተጠቃምነት ክህልወን ዓሊሙ ከም ዝተጣየሸ ብምሕባር ፤ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ግና እዚ ሸቶ ንምዕዋት ዘኽእል ስለዘይኾነ ተወሳኺ ፃዕሪ ይሓትት ኢለን።
ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ን 6480 ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 196 ሚልዮን ብር ከምዝተውሃበ ዝገለፃ ወ/ሮ ኣለማት ፤ምስ ዘሎ ፀገም ግና እኹል ከምዘይኾነ ኣረዲአን።
ፀገማት ደቂ ኣንስትዮ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ስትሪንግ ኮሚቴ ምስ ፎሮም ደቂ ኣንስትዮ፣ጥምረት ደቂ ኣንስትዮ ፣ሓባር ኮሚቴ ፍትሒን ካልኦትን ተሓባቢሩ ክሰርሕ ይግባእ ኢለን።
ነዚ ድማ ዘድሊ በጀት ክምደብን ንደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት( ኣፈርማቲቭ ኣክሽን )ክወሃብን ከም ዝግባእ ኣስሚረናሉ።
ውዳበታት ልምዓት ጉጅለ ብምጥንኻር ኣብ ምርግጋፅ ማዕረ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ንክሕግዛ ክስራሕ እዩ ኢለን ወ/ሮ ኣለማት።


ደቂ ኣንስትዮ እንተነኣሰ መሬተን ባዕለን ዝሓርሳሉን ዝጥቀማሉን ዕድል ንምፍጣር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ደገፍ ንክረኽባ ክንሰርሕ ኢና እውን ኢለን።
ኣብ ደቂ አንስትዮ ዝፍፀሙ ጎዳእቲ ልምድታት ትሕቲ ዕድመ መርዓ፣ግርዛትን ካልኦትን ውን ይምዕብሉ ስለዘለው እዚኦም ንምዕጋት ተዋዲድኻ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣረዲአን።
ሕፅረት ነዳዲ፣ሂወት ከድሕና ዝተመደባ ኣምቡላንስ ናብ ካልእ ረብሓ ምውዓልን ኣዴታት ኣብ ገዛ ክወልዳን ንሓደጋ ክቃልዓን ይገብር ምህላው ውን ገሊፀን።
ኣይኽእልኦን ዝብሉ ምኽንያታት ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ንድሕሪት ይጎትት ኣሎ ኢለን።
ምስ ዘለው ቁጠባዊ ፀገማት ኣብ ስራሕ ዝውዕላ ደቂ ኣንስትዮ ህፃናት ኣብ ዝገድፈኦም ስለ ዝስእና ዘለዋ መውዐሊ ህፃናት (ደይ ኬር) ምትእትታው የድሊ ኢለን።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ደቂ ኣንስትዮ ንዕዳጋ ክኸዳ እውን ደቀን ኣብ ናይ ቀበሌ ደይ ኬር ዝገድፋሉ ዕድል ተፈጢሩ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ኣለማት ኣብ ትግራይ ብቲ ዝነኣሰ እኳ ኣብ ኣብያተ ዕዮ ክጅመር ይግባእ ኢለን።
ግንዛበ ሕብረተሰብ ብዘይ ምዕባዩ ኣብ ስራሕን ኣብ መሪሕነትን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓዳረን ፀገም ከም ዝፈጥረለን እውን ገሊፀን።
ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕትን ቕትለትን ይኾና ኣለዋ ዘይተለመዱ ነገራት ይተኣታተው ስለ ዘለው ኣብ ምክልኻልን መምሃሪ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድን ክንሰርሕ ይግባእ ውን ኢለን።
ክመሓየሹ ዝግበኦም ዓንቀፃት ሕጊ ክመሓየሹ እዮም ኢለን።
ኣብ ሕርሻ ንደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ተሳትፎ ብኣውንታ ዘልዓሉ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ፤ኣብ ሴፍትኔት ተመሪቐን ዝወፃ ደቂ ኣንስትዮ ቐፃሊ ደገፍን ክትትልን ይገበር ኢሎም።
ኣብ ክትትል ትሕቲ ዕድመ መርዓ ምዕባይ ግንዛበን ፀገም ከም ዘሎ እውን ገሊፆም።
ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮን ስደት መናእሰይን ንምክልኻል ክሕግዙ ዝኽእሉ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ኣብ መሓውር ወረዳ የለውን እዚ ክዕረ ይግባእ ኢሎም እቶም ተሳተፍቲ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጥቕዓት ዝፈፀሙ ኣካላት ብውሓስ ወፅዮም ይጠፍኡ ኣለው ኣብ ጉዳይ ሕጊ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ህፃናት ንዝፍፀም ምድፋር ኣብ ሕጊ ምልሕላሕ ኣብ ቤተሰብ ድማ ምሽምጋል ይበዝሕ ኣሎ ልዕልነት ሕጊ ንክኽበር ትኹረት ተዝግበር ውን ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብሰውእተን መውቃዕትን ፍትሕ ሓዳር እንተጋጥም ንብረት ከይሓዘት ምውፃእን ኣሎ ብፍላይ ሰብ ዘይብለን ብሃፍተን ተጠቀምቲ ኽኾና ኣይኸኣላን ኢሎም ተሳተፍቲ።
ኣብ ሞት ኣዴታት ፣ቕትለት፣ ፆታዊ ዓመፅን ድሑራት ባህልታትን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ትኩር ኾይንኻ ምስራሕ የለን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳይ ኩሉ ስለ ዝኾነ ኩሉ ብኣግባቡ ክሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም እቶም ተሳተፍቲ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ጥራሕ ልዕሊ 76 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፀገም ከምዘለዋ ከምዝተነፀረ ዝተገለፀ ኾይኑ፤ መፍትሕታት እቶም ፀገማት ኣብ NGO ዝተንልጠሉ ክኾኑ የብሎምን ከባብያዊ ሃፍትን ኣማራፅታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ።
ካብ ተሳተፍቲ እቲ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ዝሃባ ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ በቲ ፕሮጀክት ክምላእ ዝኽእልን ብካልእ መማረፅን ክንሰርሐሉ ኢና ኢለን ።
ኣብ ቕትለት ፣ብጉጅለ ምድፋርን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምምፃእ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ብምስታፍ ክስራሕ፣ኣብ ሕጊ ክውሰድ ዝግባእ ምጥንኻር እውን ምስ ዝምልከቶም ብምትሕብባር ንምዕራይ ፃዕሪ ክግበር እዩ ኢለን።

ናይ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ፅሕፈት ኣብ ወረዳ ዓርሱ ኽኢሉ ብዘይ ምዃኑ ግቡእ ግልጋሎት ንምሃብ ኣፀጋሚ እዩ ዓርሱ ንክኽእል ብመፅናዕቲ ተደጊፉ ይስራሕ ኣሎ እዩ ኢለን ወ/ሮ ኪሮስ።
#ብኪሮስ _መሓሪ