ውድብ ላሪ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝፀንሐ ውክልና ፈረንሳይ ብየማናይ ኣኽራሪ ፖለቲካ ንምልዋጥ ገንዘብ ሕብረት ኣውሮፓ ብዘይ ኣግባብ ከም ዝተጠቐመሉ ዓቃቢ ሕጊ ፈረንሳይ ዕላዊ ገይሩ፡፡
እቲ ውድብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈረንሳይ ክሰፍሕን ሰዓራይ ድምፂ ከይህሉን ገንዘብ ሕብረት ኣወሮፓ መዐደጊ ድምፂ ከም ዝወዓለ ዝጠቐሰ ዓቃቢ ሕጊ ፈረንሳይ፤ ነዚ ዘወሃሃዳ መራሒት እቲ ውድብ ኣብ ቁፅፅር ውዒለን ሕቶ ይቐርበለን ምህላዉ ገሊፁ፡፡
ንዝቐረበለን ክሲ ሙሉእ ብሙሉእ ክሒደን ዘለዋ ማሪ ለ ፐን፤ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተጠፋፈአ ገንዘብ እንተሎ ኣብ ብራስለስ እንበር ኣብ ፓሪስ ክሕተታ ግቡእ ዘይምዃኑ ምላሽ ሂበን፡፡
ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ፈረንሳይ መንግስቲ መስሪቱ ዝፀንሐ ውድብ መተኣማመኒ ድምፂ ከም ዝሰኣነ ዝግለፅ ኮይኑ፤ ኣብ ልዕሊ ለ ፐን ተጀሚሩ ዘሎ ክሲ ሐቅነት እንተሃልይዎ ውድብ ላሪ ኣብ ሕበረት ኣውሮፓን ፓርላማ ፈረንሳይን ዘለዎ መቐመጢ ከም ዝስእን ፀብፃባት ፍራንስ 24ን ዩሮ ኒውስን የማላኽቱ፡፡
#ብገ/ሄር ሃይሉ