መቐለ፥ 4 ጳጕሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ከም ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ነጥቢ ካብ ትግራይ ቀላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ኮይኑ 675 ካብ 700 እዩ።እዚ ሎሚ ዓመት ተመዝግቡ ዘሎ 675 ውፅኢት ናይ ክሳብ ሎሚ ዝተዋሃቡ ፈተናታት እቲ ዝለዓለ እዩ ክብል እቲ ቢሮ ገሊፁ ::
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ውን ካብ ሃገር ቀዳማይን ካልኣይን ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገቡ (657ን 655ን) ካብ ትግራይ ምንባሮም ይዝከር እዩ።
ብብርኪ ሃገር ዝተረኸበ ማእኸላይ ውፅኢት 29.76 ሚኢታዊ እንትኾን ብብርኪ ትግራይ ብመሰናዶ ዝተማሃሩ 36.69 ሚኢታዊ፣ ካብ መሰናድኦ ወፃኢ ዝነበሩ ድማ 33.33 ሚኢታዊ ኮይኑ ኣሎ።
ኮይኑ ግና እዚ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ውፅኢት ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ባዕልና ውፅእት እንትነፃፀር ዝተሓተ ምኻኑ ቢሮ ትምህርቲ ገሊፁ ።
ብብርኪ ሃገር ካብ ጠቅላላ ፈተና ዝወሰዱ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ዝረኸቡ 5.4 ሚኢታዊ እንትኸውን ኣብ ትግራይ ብመሰናዶ ዝተማሃሩ 12.5፣ ካብ መሰናድኦ ወፃኢ ዝነበሩ ድማ 7.2 ሚኢታዊ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ ከምሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ ።
ስታካስትካዊ( ኣሃዛዊ ትንታነ) ውፅኢት ተምሃሮ ትግራይ ኣብዘን ቀፀልቲ ማዓልቲ ብዝርዝር ክቀርብ ምኻኑ ንገልፅ ክብል ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ ኣሎ ።