Home ዜና ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዘየገናዘበ ጨረታ ሊዝ

ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዘየገናዘበ ጨረታ ሊዝ

255
0

ኣብ ከተማ መቐለ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ ሊዝ መሬት ኣብ መዐደጊ ሰነድ ፣ መትሐዚ ሲፒኦን ዝተቐመጠ ዋጋ ንካሬን ምስ ሕሉፍ እንትነፃፀር  ዝተጋነነን ንኹሉ ዘየሳትፍን እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ መቐለ

እቲ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ ሊዝ  ምስ ጠለብ ሕብረተሰብ ዝመጣጠን ከምዘይኮነን ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ከምዝግባእ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ብግዲኡ ሕብረተሰብ ዘማርረሎም ፀገማት ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ፡፡

ኣይተ ደስታ ኣለሙ  ጨረታ ሊዝ ምጅማሩ ተሓጉሶም ሰነድ ጨረታ ንምግዛእ እኳ እንተመፁ እቲ መሸጢ ዋጋ ክባር ብምዃኑ ክገዝኡ ከምዘይከኣሉ ይዛረቡ።

እቲ መሸጢ ሰነድ ጨረታ ኣዝዩ ዝተጋነነን ምስ ትሑት መነባብሮ ሕብረተሰብ ዝተመጣጠነ ኣይኮነን ዝበሉ ካልኦት ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ጨረታ ሊዝ ዝተገበረ ወሰኽ ዋጋ መንግስቲ ምላሽ ክህበሉን ብፍላይ ድማ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ ሊዝ ምስ ጠለብ ሕብረተሰብ ዘይመጣጠን እዩ ኢሎም።

ኣብ ሰነድ ጨረታ ሊዝ ዝተገበረ ወሰኽ ዋጋ ንምንታይ ኢልና ዘሓተትናዮም መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ኣለም ግርማይ ካብ ላዕሊ ዝተዋሃበ መምርሒ መሰረት ከምዝፈፀሙ ገሊፆም።

ዳይሪክቶሬት ዳይሪክተር  ርክብ ህዝቢ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ኪዱ ብግዲኦም ተመን ዋጋ ሰነድ ጨረታ ሊዝ ብኣመራርሓ እታ ከተማ ዝፀደቐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ሕዚ ንከተማ መቐለ ተዋሂቡ ዘሎ ዝወፀ ሊዝ ቦታታት 323 እኳ እንተኾኑ እቲ ጨረታ ሊዝ ተጀሚሩ ዝቋረፅ ከምዘይኮነን ሕብረተሰብ በቢዓቕሙ ክወዳደርን ተጠቃሚ ክኾንን እናተሰረሐ ከምዘሎን ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ዘለዉ ፀገማት መሊኡ ንምፍታሕ ድማ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ኣይተ ኣብርሃ ።

ብቁፅሪ 5/2007 ዓ/ም ዝወፀ መምርሒ ሊዝ መሰረት 126 ከተማታት ትግራይ ናብ ሊዝ ከምዝኣተዋን ከተማ መቐለ ድማ ን69 ዙር ጨረታ ሊዝ ተካይድ ከምዘላ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

     ብእየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous articleዉዝፍ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብምኽንያት ጉድለት በጀት ክኽፈል ዘይምኽኣሉን ካብ መንግስቲ ፌደራል 5 ቢልዮብ ብር ልቓሕ ተሓቲቱ ከምዘሎን ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ትግራይ ኣፍሊጡ ።
Next articleትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ ሓደ ነጥቢ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝዋገአን ዓሰርተ ጀነሬተራት መስኖ ብሓገዝ ሂቡ፡፡