Home ስፖርት ዓወት ተጋሩ ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ

ዓወት ተጋሩ ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ

64

ተጋሩ ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ዝደምቕሉ ዘለው ሻምፕዬና ብሽክሌታ ኢትዬጲያ ሎማዓንቲ ዓርቢ ሰነ 21/2016 ዓ/ም ቀፂሉ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ደቂ ኣንስትዬ ውን ተጋሩ ተቐዳደምቲ ዓወት ኣመዝጊበን።

እቲ ናይ ሎማዓንቲ መርሃ ግብሪ ደቂ ኣንስትዬ 80 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ዘካየደ ኮይኑ ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ፅጌ ካሕሳይን መብሪሂት ተኽላይን ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ሒዘን ውድድረን እንትዛዝማ ኣርሴማ ደስታ ካብ ጋንታ ብሽክሌታ ትራንስ ኢትዮጵያ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ኣመዝጊባ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ብሽክሌታ ብሉፅ ብቕዓት ብምርኣይ ብተደጋጋሚ ዓወት ዘመዝገበት ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ፅጌ ካሕሳይ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ ሻምፕዬና ብሽክሌታ ኢትዬጲያ ቀዳመይቲ ብምዃን እንትትዕወት እቲ ናይ ሎማዓንቲ ንኻልኣይ ግዚኣ እዩ።

ፅጌ ካሕሳይ ዝሓለፈ ሰነ 19/2016 ዓ/ም ዝተኻየደ 15.7 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ውልቀ ክሮኖ ሜትር ዓወት ምምዝጋባ ዝዝከር እዩ።

ሻምፕዬና ብሽክሌታ ኢትዮጵያ 2016 ዓ/ም ቀዳም ብክልቲኡ ፆታ ሰንበት ድማ ብደቂ ተባዕትዬ ውድድር ብምስላጥ መፈፀምታ ክረክብ እዩ።

ሓየሎም ኪሮስ