Home ዜና ዓወት ትራምፕን ዓለም ለኸ-ግብረመልስን

ዓወት ትራምፕን ዓለም ለኸ-ግብረመልስን

346

መቐለ፥28ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ( ቴሌቪዥን ትግራይ)

ምክትል ፕረዝዳንት ካማላ ሃሪስ፤ ልዕሊ ውድብን ውልቃዊ ድሌትን ንሕጊ ኣሜሪካ ቀዳምነት ከም ዝህባ ገሊፀን፡፡

ፕረዝዳንት ባይደን ብወገኖም ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ ትራምፕ ኣብ እዋኑ ቢሮ ክርከብ ክንሰርሕ ኢና እዮም ዝበሉ።

ውድበን ዋላ እኳ ብርቱዕ ፃዕሪ እንተገበረ ስዓራይ ብዘይምዃኑ ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ ስልጣን ኣረኪቡ ንቐፃላይ መረፃ ከም ዝዳሎ ምክትል ፕረዝዳንት ካማላ ሃሪስ ገሊፀን፡፡
ንተመራፃይ ፕረዝዳንት ትራምፕ ሰናይ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ፕረዝዳንት ባይደን ብግዲኦም ብመሰረት ሕጊ ሃገሮም ኣብ ፈላማይ ወርሒ ጥሪ ስልጣኖም ከረክቡ ተዳሊዮም ምህላዎም ዕላዊ ገይሮም፡፡

ንመናሓንሕቶም ብምስዓር ንፕረዝዳንትነት ዘብቀዖም ድጋፍ ዝረኸቡ ዶናልድ ትራምፕ፤ ንደገፍቶምን ምስ ኣሜሪካ ተናሓናሕቲ ንዝኾና ሃገራትን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ዳግም ንዝተውሃቦም ድምፂ ዘመስገኑ ትራምፕ፤ ድምፂ ኣሜሪካዊያን ንዕቤት ሃገሮችም ከውዕልዎ ከም ዝኾኑን ምስ ሩስያ ይኹን ምስ ቻይና ዘተፋንን ጉዳይ ከም ዘይብሎምን ጠቒሶም፡፡

ሃገሮም ካብ ሱዕዲ ዓረብ፣ ቻይናን ሩስያን ዝበለፀ ዕቑር ነዳዲ ከም ዘለዋ ንደገፍቶም ዕላዊ ዝገበሩ ትራምፕ፤ ሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካ ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ህዝቦም ክጠቕሙ ኣተሓሳሲቦም ፡፡

ንዓወት ዶናልድ ትራምፕ ስዒቡ ካብ ኣሜሪካዊያን መነሓንሕቶምን ካልኦት ሃገራትን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዝተመሓላለፈሎም ትራምፕ፤ ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ ኣብ እዋኑ ስልጣን ክነረክብ ተዳሊና ኣለና ዝብል መልእኽቲ ፕረዝዳንት ባይደን ንኣሜሪካዊያን ዘበሰረ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ከም ፃዕርና ክንዕወት ዝግበአና እኳ እንተነበረና፤ ኣብ ቀፃላይ መረፃ ተጠናኺርና ክንምለስ ኢና ዝበላ ምክትል ፕረዝዳንት ካማላ ሃሪስ፤ ልዕሊ ውድብን ውልቃዊ ድሌትን ንሕጊ ኣሜሪካ ቀዳምነት ከም ዝህባን ስዕረተን ከም ዝቕበላን ንደገፍተን ኣብ ዝገበረኦ መደረ ገሊፀን፡፡

ካብ ተነሓናሕቶም ሰናይ ትምኒት ዝረኸቡ ተመራፂ ፕረዝዳንት ትራምፕ፤ ካብ ኣርባዕቲኡ ከኩርናዓት ዓለም እውን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ይውሕዘሎም ኣሎ፡፡

ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ርኽክብ ስልጣን ካብ ዝገብራን ኣብ ዘመነን መረፃ ዝበሃል ስምን ተግባርን ካብ ዘይፈልጣ ሃገራት ከይተረፈ ብዴሞክራሲያዊ ውድድር ንዝተመረፁ ትራምፕ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ከመሓላልፋ ምርኣይ ዘገርም ምዃኑ ፀብፃብ ዳይሊ ማይል የማላኽት፡፡

መራሕቲ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን፣ ምስ ፕረዝዳንት ትራምፕ ሓቢሮም ንምስራሕ ከም ዝኽእሉ መልእኽቲ ምምሕልላፎም መራኸብቲ ማዕኸናት እተን ሃገራት ጠቒሰን፡፡

ኣብ መንጎ እንግሊዝን ኣመሪካን ዝፀንሐ ርክብ ንምጥንኻር ሓበራዊ ምርድዳእ ከም ዘለዎም ንቤት ምኽሪ ሃገሮም ዕላዊ ዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ኪር ስታርመር፤ ቅድሚ መረፃ ኣትሒዞም ምስ ትራምፕ ብሓባር እናሰርሑ ምፅነሖም ይገልፁ፡፡

ከቢድ ጂኦፖለቲካዊ ውግእ እናካየዳ ዘለዋ ሩስያን ዩክረይን ከምኡ ድማ እስራኤልን ኢራንን ብመረፃ ትራምፕ ሕጉሳት ምዃነን ዝገለፃ እንትኾና፤ ንናይባዕለን ድሌት ከም ዘቐድማ ግን ሲ ቢ ኤስ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

መተዓዳደጊ ገንዘብ ሩስያ ዝኾነ ሩብል፤ ንዓወት ትራምፕ ስዒቡ ድሕሪ 4 ዓመታት ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ ዓለም ልዑል ሸርፊ ዝረኸበ እንትኾን፤ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኢራን ዝኾነ ሪያል ኢራን ድማ ኣብ ታሪኹ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ምንቁልቋል ከም ዘጓነፎ ቡሉምበርግ ፀብፂቡ፡፡

ምምሕዳር ትራምፕ ንምሕያል ኔቶ ርኡይ ብፅሒት ከም ዝህልዎ ዝጠቐሱ ዋና ፀሓፊ ኔቶ ማርክ ሩት፤ ኣባል ሃገራት ዓመታዊ ክፍሊተን ብግቡእ ክኸፍላ ዘፀውዑ እንትኾኑ ፖሊሲ ንዝብል ትራምፕ ግን ከይጠቐስዎ ሓሊፎም፡፡

ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ብውቅያኖስ ኣትላንቲክ ዝፈላለያ 800 ሚልዮን ዜጋታት ዝሓቖፋ ኣሓት ኣህጉራት ምዃነን ብምጥቃስ፤ ንዓወት ዶናልድ ትራምፕ ሰናይ ትምኒተን ዝገለፃ ዋና ፀሓፊት ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቬን ዴርሊዮን፤ ሓበራዊ ንግዲ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ንምጥንኻር ፃዕሪ ክገብሩ ፀዊዐን፡፡

ፖሊሲ ትራምፕ፤ ኩሉ ዓቕሚታት ኣሜሪካ ንኣሜሪካዊያን ዝብል እኳ እንተኾነ፤ ካብ ኮርያ ክሳብ ብራዚል፣ ካብ ሲዊዲን ክሳብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘለዋ ሃገራት ሓዊሱ ብኣሜሪካ ብግብረ -ራዕዲ ዝተመዝገቡ ታሊባንን ሓማስን ከይተረፈ ምስ ትራምፕ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መፅበዓ ኣትዮም ኣለዉ፡፡

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣኖም ፤ ሃገሮም ካብ ብርክት ዝበላ ዓለም ለኻዊያንን ኣህጉራዊያንን ትካላት ብምግላል ክውቀሱ ምፅንሖም ሰነዳት ሕብረት ኣውሮፓ የማላኽቱ፡፡

ብገብረእግዚኣብሄር ሃይሉ