መቐለ፥ 9 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ተፈተንቲ ካብ ዝነበሩ ተምሃሮ 8ይን 12 ክፍሊን ልዑል ውፅኢት ንዝምፁ ብሉፃት ተምሃሮ ሽልማት ኣበርኪቱ ።
መስራትን ኣካይዲ ስራሕን ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ/EYES/ ኣይተ ብስራት መስፍን፣ ብቤተ ክርስትያን ቅድስተ ማርያም ሮቺስቶር ኒውየርክ ብዝተገበረ ድጋፍ ኣቢሉ ኣብ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ዝላዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ብቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝተሓረዮ 21 ኣብነታውያን ተምሃሮ ሻምናይን፣ 12 ክፍልን ንነብሲ ወከፎም 10ሽሕ ብር ብድምር 210 ሽሕ ብር መተባብዒ ሽልማት ከምዝተበርከተ ሓቢሮም።



ተሸለምቲ ተምሃሮ መፃኢ ግዜኦም ቡሩህ ክኾውን ትምኒቶም ዝገለፁ ኣይተ ብስራት መስፍን ፣ንቐፃሊ ኣብ ዕብየት ትግራይ ዓብይ ኣበርክቶ ከምዝህልዎም ገሊፃም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ብዝግባእ ምስራሕ የድሊ ፣ተስፈ መፃኢት ትግራይ ኣብ ዝኾኑ ተምሃሮ ኣበርቲዕካ ምንቕስቓስ ድማ ግዜ ዘየድልዮ ጉዳይ እዮ ኢሎም።
ትግራይ ካብ ድክነት ክትወፅእ፣ክትምዕብልን ኣብ መድረክ ዓለም ተወዳዳሪት ክትኮውን ትምህርቲ ወሳኒ ምኻኑ እውን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣረዲኦም።
ነቲ ዝተገበረ ሽልማት ብምምስጋን ካልኦት እውን ኣሰር ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ ክኽተሉ ከምዝግባእ ዝገለፁ ድማ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ገ/ሄር እዮም።
#ብገ/ሄር_ገዳሙ