ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሃቢ ድጋፍ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ክልል ዳርፉር ኣብ ትርከብ ከተማ ኤል ፋሽር ንሸሞንተ ሰሙናት ዝገበርዎ ክባ ከልዕሉ ኣተሓሳሲቡ።
15 ኣባላት ዝሓዘ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ብብሪጣንያ ዝረቐቐ መበገሲ ሓሳብ ብ 14 ድምፂ ድጋፍ ዘፅደቐ እንትኾን ሩስያ ድማ ብድምፀ ተኣቅቦ ከምዝወፀት ተሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ምስፍሕፋሕ ጎንፅን ፤ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኣብ ኸተማ ኤል ፋሽር ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ የካይዱ ከም ዘለዉ ዘመላኽቱ እሙናት ፀብፃባትን ዓብዪ ስኽፍታ ከም ዝፈጠረሉ ገሊፁ።
ተፀባእቲ ሓይልታት፣ ብዘተ ዘላቒ መፍትሒ ምምፃእ ዘኽእል ምቍራፅ ተፃብኦ ክገብሩ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፀዊዑ።
ኣባል ሃገራት እቲ ቤትምኽሪ ኣብ ሕድሕድ ኲናት ሱዳን ኢደን ካብ ምእታው ክቑጠባን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ማዕቐብ ኣፅዋር ክግበርን ኣተሓሳሲቡ።
ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ሚያዝያን ግንቦትን ዝተኻየደ ውግእ ልዕሊ 130,000 ነበርቲ ከተማ ኤልፋሽር ከም ዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለፀ ቢቢሲ ፀብፂቡ።