Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቢዝነስ ግሩፕ ኣብ መቐለ 70 ካሬ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ብምኽንያት በዓል...

ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቢዝነስ ግሩፕ ኣብ መቐለ 70 ካሬ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ብምኽንያት በዓል ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ/ም እንግዶት ምሳሕ ጌሩ።

302

መቐለ፥ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቢዝነስ ግሩፕ ኣብ መቐለ 70 ካሬ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ብምኽንያት በዓል ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ/ም እንግዶት ምሳሕ ጌሩ።

ኣብቲ እንግዶት ምሳሕ ዝተረኸቡ ተወከልቲ እቶም ተመዛበልቲ ንዝተገበረሎም እንግዶት ምሳሕ ኣመስጊኖም። ብህፁፅ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ድማ ፃውዒት ኣቅሪቦም።

በዓል ሃፍቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ፡ ኩሉ ትግራዋይ ንህዝቡን ዓዱን ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ሓሰረ መከረ ዘሎ ተመዛባሊ ህዝቢ ብቕልጡፍ ናብ መረበቱ ክምለስ መራሕቲ ትግራይ ኣፈላላዮም ኣፅቢቦም ክሰርሑ ፀዊዖም።

ቆሞስ ካቴሊካዊት ቤተክርስትያን ልደታ ማርያም ከተማ መቐለ ኣባ ጥዑም በርሀ ”ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለኹም ተመዛበልቲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዘለኹም ስደተኛታት እታ ሓሚማ ዘላ ዓድና ትግራይ ክሳብ ትሓዊ ኣብ ጎንኹም ዘለው ተደሃዩ ተስፋ ግበሩ ኢሎም ።

”ኣብ ሕቱኽቱኹን ሕልኽልኽን ዘለኹም መራሕትና ድምፂ ህዝብኹም ኣድምፁ። ድምፂ ህዝብኹም ተደሃዩ ”ድማ ኢሎም።

ኣካያዲ ስራሕ መንፈሳዊ ኮሌጅ ከሳቴ ብርሃን ብፁእ ኣቡነ ዮውሃንስ ኣብ መከራ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ኩሎም መራሕቲ ትግራይ ተናቢቦምን ተረዳዲኦምን ክሰርሑ ፀዊዖም።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ይትባረክ ኣምሃ ብወገኖም “ህዝብና ክሳብ ሐዚ ነቲ ፀገም ተፃዊሩ ዝኸይድ ዘሎ ብናቱ ዓቕሚ እምበር ብናትና ፃዕርን ሓላፍነትን ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕቱኽቱኽ ፈቲሕና ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ከቢድ ፀገም ዘለው ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ክንሰርሕ ኢና ድማ ኢሎም።

በዓል ሃፍቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል መርኣያ ዝኾኑ ስራሕቲ ዝሰርሑ ዘለው በዓል ሃፍቲ ከምዝኾኑን ካልኦት እውን ክስዕብዎ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

#መለስ_ኣለማት