Home ቢዝነስ ዘተ መንግስትን ነጋዶን

ዘተ መንግስትን ነጋዶን

168

ነጋዳይ ማሕበረ ሰብ ምስ ኣካላት መንግስቲ ብምርድዳእ ፀገማት ብቐፃሊነት ንምፍታሕ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ መድረኽ ዘተ መንግስትን ውልቃዊ ሴክተራትን ኣብ መቐለ ተኻዪዱ።

እዚ መድረኽ እዚ፣ መንግስትን ውልቃዊ ሴክተራትን ተቐራሪቦም ኣብ ፖሊሲታት፥ ሕጊታትን ኣፈፃፅማን ዝረኣዩ ፀገማት መፍትሒ ክረኽቡ ንምግባርን ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሰብ ሃፍትን ጥንኩር ኣጋርነት ልምዓት ክህሉን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባህሊ ክዓብይን ከም ዝሕግዝ ኣብቲ መድረኽ፥ ፅሑፍ መበገሲ ዘተ ዘቕረቡ ኣይተ ዮሃንስ ገ/ኢየሱስ ገሊፆም።

ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተኣዊጁ ዝነበረ ፅንተታዊ ዂናት ዝተፈጠረ ምፍራስ ሪፎርም ንግዲ ናብ ንቡር ኣብ ክንዲ ምምላስ፣ በቲ ዝነበረ ፀገም ኣመኽኒኻ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ምስራሕ ከም ዘሎ ድማ፥ ኣብ ነጋዳይ ማሕበረ ሰብ ከተማ መቐለ ዝነበሩ ክፍተታት ኣብ ዘልዐሉሉ ሓሳቦም ወሲኾም ገሊፆም።

ኵነታት ፀጥታ ከተማ መቐለ፣ ንከይዲ ምንቅስቓስ ንግዲ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ። ፅፉፍ፥ ስሉጥን ምዕሩይን ምሕደራ ዘይምህላዉን ሕፅረት ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ብፍላይ ከዓ ምቍርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፥ ኣብ ስራሕቲ ንግዲን ሓፈሻዊ ናብራን የስዕብዎ ዘለዉ ቅልውላው ዓቢይ ስለ ዝኾነ፥ ትዅረት ተዋሂቡዎ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ስራሕቲ ንግዲ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ክፍተታት ክፍትሑ ንምፍታሕ ከም ዝሰርሑ ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ዝምልከቶም ኣካላት ገሊፆም።

እቲ መድረኽ ብምትሕብባር ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን መቐለን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት መቐለን ዝተዳለወ መድረኽ ነይሩ።

#ብቶማስ ሓዱሽ