Home ዜና ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝሰርሕዎም ስራሕቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሉእ ድጋፍ ከም ዘለዎ...

ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝሰርሕዎም ስራሕቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሉእ ድጋፍ ከም ዘለዎ ተገሊፁ።

106

መቐለ፥ 04 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) – ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ምስ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT)ን ካልኦት ትካላትን ብምትሕብባር ዘዳለዎ መድረኽ ዓመታዊ ጉባኤ ፎረም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻዪዱ።

ዘይመንግስታዊ ትካላት ብቝፅሪ እኳ ይውስኹ እንተሃለዉ ናብ ስርዓት ኣቲኻ ናይ ምስራሕ ፀገም ከም ዝነበረ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዶክተር ምሕረት በየነ ሓቢረን። ሕዚ ግና ናብ ስርዓት ኣቲዎም ንክሰርሑ ናይ ምግባር ዝሐሸ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ብምሕባር ኣብ ትካላት ገበርቲ ሰናይን መንግስትን ክፍተት ኣሎ፤ ነዚ ክፍተት መሰረት ገይርና ሓቢርና ክንሰርሕ ኣለና ኢለን።

መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣብ ምዕባለ ሕብረተ ሰብን ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ዓቢይ ግደ ከም ዘለዎም ዝገለፁ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ እዞም ትካላት ኣብ ዝገብርዎ ምንስቓስ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሉእ ድጋፍ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።

ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ጊዜ ሕግን ስርዓትን ናይቲ ዝንቀሳቐሱሉ ዓዲ ከኽብሩን ካብ ግዕዝይና ዝነፅሀ ኣሰራርሓ ክኽተሉን ከም ዘለዎም ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣፈፃፅማ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝግምግም ፀብፃብ ዘቕረቡ ኣይተ ደስታ ገብረዮሃንስ፣ እቶም ትካላት ውዕል እንተይፈፀሙ ናብ ስራሕ ይኣትዉ ከም ዝነበሩን ብመሰረት እቲ ዝኣተዉዎ ውዕል ስሩዕ ሪፖርት ዘየቕርቡ ከም ዝነበሩን ገሊፆም።

ኣብ ገሊአን ወረዳታት ትግራይ ብበዝሒ ምእታው ኣብ ገሊአን ከዓ ፈፂምካ ዘይምእታው ከም ዝነበረን እዚ ከዓ ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ከም ዘስዐበን ድማ ወሲኾም ሓቢሮም ።

እዞም ፀገማት ንክፍትሑ፣ እዚ ፎረም እዚን ስራሕቲ ክትትልን ገምጋምን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።

#ቶማስ_ሓዱሽ