Home ዜና ዜና መጋባእያ ወረዳ ሓውዜን

ዜና መጋባእያ ወረዳ ሓውዜን

193

ብስርቂ 9 ህዝባዊ ትካላት መስተ ማይ ዝተጠርጠሩ ተኸሰስቲ ፣ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱሎም።

ነባርነቶም ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረብርሃን ቁሸት ዓዲ ቀያሕትን ዓዲ ብረን ዝኾኑ ተኸሰስቲ ፣በቲ ዝቐረበሎም ክሲ ጥፍኣተኛታት ኮይኖም ስለዝተረኸቡ ካብ 8 ክሳብ 9 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ቅፅዓት ከም ዝተፈረደሎም ተገሊፁ።

ተኸሰስቲ ብመንግስትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተሃኒፀን ንህዝቢ ብቐረባ ፅሩይ መስተ ማይ ይህባ ካብ ዝነበራ ትካላት መስተ ማይ ፣ ነተን ትሻዓተ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ሓባርን ተሓባባርን ብምኻን ገበን ስርቂ ፈፂምኩም ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ፣ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ኣትዮም ጉዳዮም እናተፃረየ ዝፀንሑ እዮም።

ተኸሰስቲ መከላኸሊ ከቕርቡ ስለ ዘይካኣሉን ፣ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቦም 3 ናይ ሰብን ፅሑፍን መረዳእታ መሰረት ጥፍኣተኛነቶም ስለ ዝተረጋገፀን ፣ ነቲ ፍርዲ ከምዝተፈረደሎም ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ንኡስ ወረዳ ቆላ ገርዓልታ ኣፍሊጡ ክብል ፤ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።