Home ዜና “ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ኣብ ቅዳድ ኬንዳን ኣብ ጥሜትን ከይንኸርም ዝምልከቶም ኣካላት ናብ...

“ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ኣብ ቅዳድ ኬንዳን ኣብ ጥሜትን ከይንኸርም ዝምልከቶም ኣካላት ናብ መረበትና ይመልሱና”፦ ተመዛበልቲ

113

መቐለ፥ 29 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም( ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ እውን ኣብዚ ቅዳድ ኬንዳን ኣብ ጥሜትን ከይንኸርም ዝምልከቶም ኣካላት ናብ መረበትና ይመልሱና ክብሉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተዓቖቡ ወገናት ሓቲቶም።

እቶም ተመዛበልቲ እዚ ዝበሉ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ በዓል ልደት 2017 ዓ/ም ምኽንያት ብምግባር እንግዶት ምሳሕ ኣብ ዝገበረሎም ጊዜ እዩ።

ነቲ እንግዶት ዝባረኹ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ መቐለን ኣባል ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶደክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይን ኣቡነ ኢሳያስ “ተመዛበልቲ ናብ መረበትና ዘይተመለስና ኢልኹም ኣይትሕዘኑ ፈጣሪ እትምለስሉ ዕድል ንክፈጥር ተስፋ ብዘይምቑራፅ ንፀሊ” ኢሎም።

“ካልኦት ሰብሃፍትን ትካላትን ኣሰር መጋቤ ኣእላፍ ክቡር ዶ/ር ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ተኸቲሎም ንተመዛበልቲ ክሕግዙ ይግባእ” ኢሎም ብፁእ ኣቡነ ኢሳያስ።

“ኣነ ሕዚ ናይ ቤተሰበይ ቀብሪ ኣሎ ኣብ ዓዲ ግን ክቐብር ኣይኸኣልኹን እቲ ቦታ ኣብ ኢድ ወረርቲ ስለ ዘሎ” ክብሉ ፀገም መሬቶም ብወረርቲ ዝተትሓዞም ወገናት ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ዘረድኡ ድማ ቆመስ ልደታ ማርያም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መቐለ ኣባ ጥዑም በርሀ እዮም።

“ተመዛበልቲ ዓድኹም እትምለሱሉ እዋኑ ገና ክኾን ይኽእል እምበር ኣይተርፍን ተስፋ ከይቖረፅና ኮላይ ነቶም መራሕትና ልቦና ንክህቦም ንፀሊ” ኢሎም ኣባ ጥዑም በርሀ።

ንተመዛበልቲ እንግዶት ምሳሕ ዝገበሩ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብወገኖም ሕማም ኣዲኡ ዘይስመዖ ትግራዋይ ትግራዋይ ኣይኮነን፤ ቅድሚ ኩሉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምኽባርን ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ምውሓስን ናይ ኩሉና ኣጀንዳ ክኾን ይግባእ ኢሎም።

#ብኪሮስ_መሓሪ