Home ዜና ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበሮ ብዕፅፊ...

ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበሮ ብዕፅፊ ወሲኹ።

247

መቐለ፥ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበሮ ብዕፅፊ  ከም ዝወሰኸ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ኲናት ብመንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብዝተገበረ ስራሕቲ ምክልኻልን ኣብ ህዝቢ ብዝተፈጠረ ግንዛበን ዝርገሐ ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ነክዩ ምንባሩ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ፣ ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዕፅዋን ክባን ዝፈጠሮ ስእነት ግልጋሎት ሕክምናን መከላኸልን፣ ኲናት ብዝፈጠሮ ፀገም ቁጠባን ምንኣስ ግንዛበ ኣብ ሕብረተ ሰብን ምኽንያት ዝርግሐ ኤ ችኣይ ቪ ኤድስ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበሮ ብዕፅፊ ወሲኹ ኢሎም።

እቲ ቢሮ ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ብዘካየዶ መፅናዕቲ እዚ ከም ዘረጋገፀ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዘለዉዎ ፀገማት ሕማም ኤድስ እውን ተወሳኺ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ኩሉ ሰብ እቲ ሕማም ንምክልኻል ክሰርሕ ፀዊዖም።

ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳርን ካልኦት በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን ሓደግኡ ብምርዳእ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ኣብ ብርኪ ለበዳ ከም ዘሎ ምእዋጁ ዘዘኻኸሩ ዶ/ር ኣማኑኤል እቲ ለበዳ ንምንካይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ይስራሕ ምህላዉ ኣረዲኦም።

ኣብ ደሞም እቲ ቫይረስ ዘለዎምን ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑን ወገናት ፍሉይ ትኹረት ብምግባር መድሓኒት ኣብ ምቕራብን ግንዛበ ኣብ ምዕባይን ንሰርሕ ኣለና እውን ኢሎም።

ኣብ መሪሕነት ዝርከቡ ኣካላት መዓልታዊ ስራሕቶም ገይሮም ክነጥፉ ይግባእ ዝበሉ ዶ/ር ኣማኑኤል ሚድያታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ እምነትን ካልኦትን ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ክሰርሑ ፀዊዖም።

ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓላፊ ምሃብ ኩለ መዳያዊ ምላሽ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ ፍስሃ ብርሃነ ብወገኖም፣ ሕብረተ ሰብ ተመርሚሩ ዓርሱ ክፈልጥን ኩሎም ሜላታት ምክልኻል ተጠቒሙ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ክከላኸልን ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሓለፍቲ 22 ሕዳር ንመበል 37 ግዘ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኣመልኪቶም አብ ዝሃቡዎ መግለፂ ለበዳ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምዕጋት ክለባት ብምጥያሽ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ክሳለጥ እዩ ኢሎም።

ብብርኪ ዓለም አብ 2030 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ስግኣት ጥዕና ሕብረተ ሰብ ናብ ዘይኾነሉ ምብፃሕ ትልሚ ከም ዝተትሓዘ ይፍለጥ።

ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ልዕሊ 1 ሚኢታዊ እንተኾይኑ፣ ብብርኪ ለበዳ ዝግለፅ ምዃኑ ዓለም ለኸ መግለፂ ኣብ ዝርግሐ እቲ ሕማም የመላኽት።

#ብኪሮስ_መሓሪ