Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዝተቛረፁ ፕሮጀክታት ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት

ዝተቛረፁ ፕሮጀክታት ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት

285

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዝተቛረፁ ፕሮጀክትታት ዳግም ንምጅማር ዘኽእል ዘተን ዑደትን ተካይዱ።

ብዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ነገዎ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ኣሳሊጡ።

ዋና ዕላማ እቲ ዑደት ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ህንፀቶም ጠጠው ዝበሉ ፕሮጀክታት ልምዓት እቲ ዩኒቨርስቲ ዳግም ንምጅማር እዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ህንፀቶም ጠጠው ዝበለ ፕሮጀክታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣትውሉ ኹነታት ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ኮንትራክተራትን ዝርርብ ኣካይዱ።

ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ከቢድ ዕንወት ካብ ዘጋጠሞም ዩኒቨርስትታት ሓደ እዩ።

#ሰለሙን_በርሀ