ኣብ ከተማ ራማ ዓዲ 4 መበል 36 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብን ኣካላት ፀጥታን ኣብ ዝተረኸብሉ ብሰልፍን ምብራህ ጥዋፍን ተኸቢሩ።
ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ብሕውየት ክንድብሶ ኢና ንብሄራዊ ክብርና ዝተኸፈለ መስዋእቲ ብልምዓት ክንድብሶ ኢና ዝብሉን ካልኦትን መልእኽቲ ኣብቲ ሰልፊ ኣሕሊፎም።
ሕዚ ዝኽበር ዘሎ ዝኽሪ ሰማእታት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ኣብ ዘይተፈፀመሉ፣ ሓድነታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ዘይትመለሰሉ፣ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ኣብዘይተመለሱሉ፣ እኹል ሓገዝ ኣብዘይኣተወሉ፣ ሰራዊት ትግራይ ግቡእ እግሪ መትከሊ ኣብ ዘይተውሃበሉ ኩነታት ምዃኑ ዝገለፁ ከንቲባ ከተማ ራማ ዓዲ 4 ኣይተ ተኽለመድህን ኣረጋዊ፣ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ሕመቓትና ህዝብና ውሕስና ፀፅታ ኣብ ዘይተሓለወሉ ኮይንና ንዝክሮ ዘለና እዩ ኢሎም።
ከም ከተማ ምምሕዳር ዝገጥሙ ዘለው ፀገማት ፀጥታን ሰናይ ምምሕዳርን ኣካል እቲ ፀገም ምዃኑን ህዝብ ውሕስንኡ ክረጋገፅ ብምግባር ቃል ሰማእታት ንኽንትግብር ጠዋሪ ዘይብሎም ስድራ ስውኣትን ጉድኣት ኩናትን ኩሉ ክሕግዝ ከንቲባ ከተማ ራማ ዓዲ 4 ኣይተ ተኽለመድህን ፀዊዖም ከም ፀብፃብ ርክብን ሓበሬታንወረዳ ራማ ዓዲ 4።