መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ 2016 ዓ/ም “ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር ኾምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣፍሊጡ።
ትግራይ በቢ መዋእሉ ዝገጠምዋ ፈተናታት ንምምካት ማእለያ ዘይብሉ ከበድቲ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ ዝበለ እቲ ኾምሽን ሎሚ ዓመት ኣብ ዝኽበር መበል 36 ዓመት መዓልቲ ስውኣት ሕድሪ ሰማእታትና ንምፍፃም ቃል እንኣትወሉን እነሕድሰሉን እዩ ኢሉ።
እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ መላእ ዓለም ከምዝኽበር ዝገለፀ ኾምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ሓውዜንን ከተማ መቐለን ብዝተፋላዩ ምድላዋት ከምዝዝከር ሓቢሩ ።

እቲ ዝክሪ ሰማእታት ምብራህ ጥዋፍን
ንምቅማጥ ሰነ ስርዓት ዝኽሪ ሕቁፊ ዕምበባ ሓዉሱ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ንሓደ ደቂቃ ስነ -ስርዓት ሕልና ፀሎት ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።
#ብሃይለስላሴ _ገብረሚካኤል