ሓይልታት ፅንተት ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ከበድቲ ገበናት ኲናት፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ከምዝፈፀሙ ብዝተፈላለዩ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ተረጋጊፁ እዩ።ፅንተት ትግራይ ዋላ እውን ዓለም “ጀኖሳይድ” ኢላ ብሽሙ ኣይትፀወዓዮ ሕድሕድ ፍፃመታት ጀኖሳይድ ግና ብዝተፈላለዩ መንገድታት ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቦም ይርከቡ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቅንያት በዓል ልደት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝተፈፀሙ ጨፍጫፋት ንገሊኦም ክንዝክር።
ጨፍጫፍ ደብረኣባይ (28/4/2013 ዓ.ም)
ድሮ በዓል ልደት ማለት እውን 28 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 ናብ ጣብያ ደብረኣባይ ዝኣተዉ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም።
ኣብ መንገዶም ዘዝሓለፍወን ናይ ገጠር ገዛውታት ነበርተን ኣደዳ ግፍዓዊ መርሸንትን ቅትለትን ኰይኖም እዮም፡ ኣብ በረኻ ዝነበሩ ጓሶትን ሓለውቲ ከፍትን እውን ኣይተረፉን።
ኣብ’ቲ ከተማ እናዘወሩ ዝርሽኑ ዝነበሩ ሓይሌታት ፅንተት ብርክት ንዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብዉልቀን ብጕጅለን ይዕምፁ ከም ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ። ኣብ’ቲ ዕለት ካብ 100-200 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ እንትርሸኑ ብዉሕዱ ልዕሊ 20 ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተዓሚፀን እየን።
እቶም ነቲ መስካሕኽሒ ጨፍጫፍ ዝፈፀሙ ሓይልታት ፅንተት ባሕቲ ጥሪ 2013 ዓ.ም ካብቲ ጣብያ ወፂኦም ከይዶም። ድሕሪ እዚ ዕለት ድማ እዮም እቶም ዝተቐተሉ ንፁሃን ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ዝኽኣሉ።
ጨፍጫፍ ኢሮብ (29/4/2013 ዓ.ም)
ኣብ ወረዳ ኢሮብ ብወረርቲ ሓይልታት ጫፍ ጭካነ ግፍዒ ካብ ዝተፈፀመለን ቁሸታት ቁሸት ገማዳ ሓንቲ እያ ኣብታ ቁሸት ኣብ ሓንቲ ወራዲ ሩባ ጥራሕ 13 ሰለማዊያን ወገናት ከካብ መንበሪ ገዝኦም ብምእካብ ዝተጨፍጨፍሉ ግዘ 29 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ነይሩ።
ካብ ሓደ ኣባላት ቤተሰብ ዝምዘዙ ደቂ ሰለስተ ኣሕዋት ሰለሰተ መናእሰይ፣ ደቂ ኣርባዕተ ኣሕዋት ኣርባዕተ መናእሰይ ደቆም ከምኡ እዉን ካብ ክልተ ወለዲ ከክልተ ደቆም ካብቶም በቲ ግዘ ዝተጨፍጨፉ መናእሰይ ገሊኦም እዮም።
እቲ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ እንትፍፀም 29 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ብምንባሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ በቢመንበሪኦም ኮይኖም በዓል ልደት ኣብ ዘኽብርሉ እዩ ዘይተፀበይዎ ጄናሳይድ ዝተፈፀሞም።
እቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክፍፀም እዪ ተባሂሉ ዘይሕሰብ ግፍዓዊ መቅተልቲ ምስ ተፈፀመ እዉን ስድራ ግዳይትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ሬሳ ደቆም ከልዕሉን ክቀብሩን ኣይተፈቐደሎምን። መራሕቲ ሃይማኖት ዘቕረብዎ በይዛኹም ደቅና ክንቀብር ዝብል ልመና ዝተወሰኑ ሰባት ክርከቡን ሓዘኖም ከይገልፁን ተሓቢርዎም ኣብ መቃብር ጅምላ ክቕበሩ ተገይሩ።
ጨፍጫፍ ደደቢት (29/4/2014 ዓ.ም)
ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዞባ ምዕራብ ሃፍቶምን ጥሪቶምን ገዲፎም ብፀላእቲ ዝተሰጎጉ ወገናት ንግዚኡ ዘዕቖቡዎ ቦታ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ደደቢት ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ እዩ ነይሩ።
በዓል ልደት ኣብ ምውቕ ገዘኦም ከሕልፉ ዘይክኣሎ እቶም ወገናት ኣብቲ ዘፅለልዎ ቦታ እውን ብሰላም ደቂሶም ክሓድሩ ኣይከኣሉን። ኣፅዋራት ድሮን እዩ ኣብ ልዕሊኦም ዘኒብዎም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ወገናት ዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮን ህፃናት፣ ኣዴታትን ሽማግለ ኣቦታትን ብሓፈሻ 56 ወገናት ህይወቶም ሓሊፉ።ብርክት ዝበሉ ድማ ቆሲሎም።
ጨፍጫፍ ቦራ ቸለና (30 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም)
ፅባሕ በዓል ልደት 2013 ዓ.ም ነይሩ።ሓይልታት ፅንተት ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ዝፈፀምዎ ጨፍጫፍ ኣብ ቦራ ቸለና እውን ደገምዎ።
ወረዳ ቦራ ቸለና ካብተን ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዘተኣናገዳ ከባብታት ትግራይ ሓንቲ እንትኾን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጥራሕ (30 ታሕሳስ 2013 ዓም) ካብ 160-175 ዝኾኑ ንፁሃን ወገናታ ብኣልማሚት ተጨፍጪፎምዋ።