Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንሓደ መደበኛ መኽዘን ሰነድ ናብ መተግበሪ ዝቕይር ሓዱሽ መስርሕ ቴክኖሎጂ...

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንሓደ መደበኛ መኽዘን ሰነድ ናብ መተግበሪ ዝቕይር ሓዱሽ መስርሕ ቴክኖሎጂ ከም ዘተግብር ሓቢሩ።

114

መቐለ፥ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንሓደ መደበኛ መኽዘን ሰነድ ናብ መተግበሪ ዝቅይር E-Geo_library ዝተብሃለ ሓዱሽ መስርሕ ቴክኖሎጂ ከም ዘተግብር ሓቢሩ።

እዚ መተግበሪ ንተምሃሮ፣ መምህራንን ተመራመርቲን ስራሕቶም ኣብ እዋኑ ክፍፅሙ ከም ዝገብር ድማ ተገሊፁ።

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ጂኦሎጂ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ኤርሚያስ ሓጎስ እዚ መተግበሪ ብቀጥታ ወይ ብኦንላይን ከም ዝትግበርን E-Geo_library ፍሉይን ፈጠራውን ፍታሕ ኣምፂኡ ንሓደ መደበኛ መኽዘን ሰነድ ናብ መስተጋብራዊ መተግበሪ ከም ዝቕይርን ብምሕባር፣ ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ መድከምቲን መሰልቸውቲን ስራሕቲ ስነዳ ዘቃልልን ክዝምን ዝገብርን እዩ ኢሎም።

እቲ መተግበሪ ኣብ ዓውዲታት ጂኦሎጂ፣ ሃይድሮጂኦሎጂን ፅላት ማይን ኣብ ትሕቲ ሓደ ስርዓት ብዲጂታላዊ መልክዕ ንኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ዘቕርብ ከም ዝኾነ እውን ዶክተር ኤርሚያስ ኣብሪሆም።

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ብግዲኦም ንተምሃሮ፣ መምህራንን ተመራመርቲን ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ስራሕቲ ዘቃልልን ፀጋታትናን ስራሕትናን ኣብ ሐፂር ግዜ ምስ ዓለም ዘላሊን ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ዝምግብን እዩ ኢሎም።

እዚ ሓዱሽ መተግበሪ መኽዝን ሰነድ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ፕሮጀክት ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስቲታትን ቸክ ሪፓብሊክ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከም ዝኾነን ቀፀልቲ ስልጠናታት ከም ዝሳለጡን ድማ ሓቢሩ።

እቲ ብመንግስቲ ቸክ ሪፓብሊክን ፕሮጀክት ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስቲታትን ዝተጀመረ ስራሕ ሓደ ዓመት ዕድመ ከም ዘለዎን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ብቐፃልነት ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሕ ከም ዘለዎ ሰልጠንቲ ሓቢሮም።

#ብሰለሙን_በርሀ