መቐለ፥ 23 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ባንኪ ንምስግጋር ብቴክኖሎጂን ሓይሊ ሰብን ምድላው ትገብር ምህላዋ ኣፍሊጣ።
እታ ትካል ኣብ ሕሉፍን ቀፀልቲን ስራሕታ ኣመልኪታ ምስ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዘሳለጠቶ ዘተ መዛተዪ ሓሳብ ዘቕረቡ ምክትል ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ክፍሊ ኦፕሬሽንን ኣይተ ሳሙኤል ክፍሎም፣ እታ ትካል ናይ ማይክሮ ፋይናንስ ስራሕታ ከይገደፈት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ባንኪ ንምስግጋር ኵለ መዳያዊ ምድላው ትገብር ምህላዋ ገሊፆም።
ናብ ባንኪ ናይ ምስግጋር ትልሚ ቅድም ኢሉ ተሓሲቡ ምፅንሑ ዝገለፁ ኣይተ ሳሙኤል ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝበፅሐ ዕንወት ተድናጕዩ እዩ፤ ሐዚ ግና ንባንኪ ዘድሊ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታውን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምስልጣንን ንነጥፍ ኣለና ኢሎም።
ብወረርቲ ተታሒዞም ዘለዉ ከባቢታት ከይሓወሰ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ መሰረት፣ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ 6.8 ቢልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከም ዝበፅሓ ዝገለፁ ኣይተ ሳሙኤል፣ በዙይን ብርክት ዝበለ ዘይተመልሰ ልቓሕ ብምህላዉን ዝፍጠር ሕፅረት ገንዘብ ንምፍታሕ ምስ ካልኦት ትካላት ፋይናንስ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑ ኣረዲኡ።
እታ ትካል ሓደሽቲ መስርሓት ልቓሕ ብምትእትታው 22 ዓይነታት ግልጋሎት ልቓሕ ትህብ ከምዘላን
106 ጨናፍር ብምሉእን ብኽፋልን ኦንላይን ኾይነን ኣብ ገፀር ንዝነብር ህዝቢ ድማ ሳተላይት ጨንፈራት ተተኣታትው ምህላዋ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
ኣወሃህባ ግልጋሎትኩም ንምንታይ ቀልጢፉ ዘይዝምን?ግልጋሎትኩም ኣብ ምፍላጥን ዝፍጠሩ ምድንጋራት ብእዋኑ ኣብ ምብራህን ንህዝቢ ኣብ ምርዳእንኸ ከመይ ትነጥፉ ኣለኹም? ናትኩም ወለድ ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ ከመይ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ካብ ተሳተፍቲ ተላዒሎም።
ግልጋሎትና ንምዝማን ቴክኖሎጅታት ነትኣታቱን ሓይሊ ሰብና ነብቅዕን ኣለና ኢና።ወለድ ዝምልከት ግና እንህቦ ልቓሕ ክሳብ 15 ዓመት ዝፅንሕ ስለዝኾነ ኣብ ዝፍጠር ናይ ገንዘብ ዋጋ ምንኣስ በቲ ወለድ ንሱ እውን ዘዋፅእ ኣይኮንን ሕ/ሰብ ክርባሕ ካብ ምድላይ ዝተበገሰ እዩ ምበር ኢሉ ኣይተ ሳሙኤል።
ብመራኸብቲ ሓፋሽን ካልኦት ሜላታትን ብዛዕባ ትካልናን ግልጋሎትናን ኣብ ምፍላጥ ድኽመት ነይሩና እዩ ንቐፃሊ ክነመሓይሾ ኢና ዝበሉ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ህዝብን ስነዳን ደደቢት ማይክሮ ፉይናንስ ገብረሃዋርያ ብርሃነ እዮም።
ኣብ 31 ዓመታት ጉዕዞኣ 40 ቢልዮን ብር ልቓሕ ዝሃበት ደደቢት ማይክሮ ፉይናንስ ልዕሊ 17 ቢልዮን ሃፍቲ፣ 39 ናይ ባዕላ ህንፃታት ድማ ኣለዉዋ።
#ብኪሮስ_መሓሪ