መቐለ፥ 4 ጳጕሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) – ሓለፍቲ ማእኸላት ስለላ ኣሜሪካን እንግሊዝን ዝኾኑ ዊልያም ቡርን ሪቻርድ ሙርን ምስ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፣ ዓለም ገጢምዋ ዘሎ ፈተና ን77 ዓመታት ኣብ ዝፀንሐ ሓበራዊ ስራሕቶም ተመዝጊቡ ከም ዘይፈልጥ ገሊፆም።
ንምዝዛም ዝሑል ኲናት ስዒቡ ዝኸፍአ ሓደጋ ዓለም ኮይኑ ተመዝጊቡ ዝፀንሐ ተግባር ግብረ ራዕዲ እንትኾን፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝማዕበሉ ንሕንሕ ኣፅዋርን ንግዳዊ ውድድራትን ምንባሮም ዝጠቐሱ እቶም ሓለፍቲ፤ እቶም ሓደጋታት ኣብዚ እዋን ዓለም ገጢምዎ ንዘሎ ፈተናታት ከም ዘዋለደ ጠቒሶም፡፡
ኣብ መንጎ ሃገራት ዝምዕብል ዘሎ ኣማራፂታት፣ ዓብላላይነት ጠፊኡ ሚዛናዊ ስርዓት ንኽህነፅን ሃገራት ዝተፈላለዩ ፀግዒታት ክህልዉወን ዝፈጠሮ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ ዘረጋገፁ ሓለፍቲ ስለላ ኣሜሪካን እንግሊዝን፣ ካብ ሚዛናዊነት ወፂእኻ ዓብላላይነት ዓለም ንምዃን ዝግበር ፈተነ ግን ሓደጋ ዘንፀላለዋ ዓለም ክትህሉ ከም ዘገደደ የመላኽቱ፡፡
ቻይና ክስተት 21 ክ/ዘመን ኮይና ዝመፀትሉ ኣግባብ ኣሉታዊን ኣወንታዊን ግደ ኣለዎ፡፡ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ካብቶም ኣሉታታት ሓደ ምዃኑ ዘነፀሩ እቶም ሓለፍቲ፣ ወራር ሩስያ ምስ ዝዕወት ምዝባዕ ሚዛን ዓለም ከጋጥም ከም ዝኽእል እውን ይትንብዩ፡፡
ሩስያ፣ ቻይና፣ ኢራንን ሰሜን ኮርያን ዘጣምር ዘሎ ወታደራዊ ስምምዓት፣ ዓለም ብትኹረት ክዕዘቦ ይግባእ ዝበሉ ሓላፊ ስለያ እንግሊዝ ሪቻርድ ሙርስ፣ ጕጅለ 7 ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረኦ ማዕቐብ ንኸይፍፀም ሩስያ ተዐንቅፍ ምህላዋ ይገልፁ፡፡
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ደብዳባት ንምፍፃም ካብ ሰሜን ኮርያ ሚሳይላትን ካብ ኢራን ድማ ድሮናት ይቐርቡላ ምህላዎም ብ ሲ ኣይ ኤ ከም ዝተረጋገፀ ዝገለፁ ዊልያም በርንስ ብግዲኦም፣ መሰረቶም ቻይና ዝኾኑ ኣፅዋራት ናብ ሩስያ ይቐርቡ ምህላዎም እቲ ኩነታት የጋድዶ ከም ዘሎ ጠቒሶም፡፡
ቅድሚን ድሕሪን ምዝዛም ዝሑል ኲናት ዓለም፣ ርክብ ሃገራት ብዲፕሎማሲ ወይ ድማ ብዝረአ ኲናት እዩ ነይሩ፡፡ ሕዚ ኣቲናዮ ዘለና ኵናት ግን ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዘመላኸቱ ሓለፍቲ ስለላ ኣሜሪካን እንግሊዝን፣ ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ውግእ ቴክኖሎጂ ግን ኣፀጋሚን ሓደጋ ዓለም ናብ ዝኸፍአ ጫፍ ከብፅሕ ዝኽእልን ምዃኑን መብርሂ ምሃቦም ኣይሪሽ ኢንደፐንደንት ፀብፂቡ፡፡
#ገ/ሄር_ሃይሉ