Home ዜና ድምፂ ብጥሜት ዝሳቐዩ ሰባት ዘስምዓ፣ ምግቢ ዝሓረመን ሸሓነታት

ድምፂ ብጥሜት ዝሳቐዩ ሰባት ዘስምዓ፣ ምግቢ ዝሓረመን ሸሓነታት

221

መቐለ፥ 9 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20፣ ጥሜትን ድኽነትን ንምንካይ ክሰርሑ ፃውዒት ቀሪቡ።

733 ሚልዮን ብጥሜት ናይ ዝሳቐዩ ሰባት ድምፂ ንምስማዕ ኣክቲቪስትታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን 733 ምግቢ ዘይብለን ሸሓነታት ኣብ ሓሸዋ ኣረሓሒቖም ኣቐሚጦም።

ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ኣብ ዝሳለጠላ ሪዮ ዲ ጀኔሮ፣ እዚ ምስሊ ንምርኢት ዝቐረበ እንትኾን፣ ዕላምኦም ድማ  እቶም መራሕቲ፣ ጥሜት ካብ ዓለም ንክጠፍእ ክሰርሑ ንምፅዋዕ ምዃኑ እቶም ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብ  ገሊፆም።

ኣብ 2024 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ዝረአ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት፣ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝበኣሰ ምዃኑ ድማ ፀብፃብ ዩኒሴፍ የመላኽት።

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20፣ ኣብ መርህ ምጥፈእ ጥሜትን ምንካይ ድኽነትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝተስማዕምዑ ዝፀብፀበ ኣፍሪካ ኒውስ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ጉባኤኦም ንተግባራውነቱ ክዝትዩን ውሳነታት ከሕልፉን ትፅቢት ከም ዝግበር ሓቢሩ።

ካብ 2025 ክሳብ 2030 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ድኽነትን ጥሜትን ንምንካይ ዝተትሓዘ ትልሚ ክትግበር እዩ ተባሂሉ።

ኲናትን ዘይምርግጋዕን፣ ምዝባዕ ኵነታት ኣየርን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ቀንዲ ምኽንያታት ምውሳኽ ብጥሜት ዝሳቐ ህዝቢ ምዃኖም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ የረድኡ።

“ፍትሓዊት ዓለምን ዘላቒ ፕላኔትን ንፍጠር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 18 ክሳብ 19 ሕዳር 2024 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ዝሳለጥ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ምጥፋእ ድኽነትን ጥሜትን፣ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ፣ ቃልሲ ምውጋድ ኣድልዎ፣ ሪፎርም ዓለም ለኸ ትካላትን ምሕደረአንን፣ ዛዕባታት ዘላቒ ልምዓትን ስግግር ኢነርጅን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ኣብ ካልኦት ዛዕባታትን ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር።

እቶም መራሕቲ፣ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ቅልውላዋት መፍትሕታት ከቐምጡን ቅድሚ ሐዚ ዝወሰንዎም ውሳነታት ንከተግብሩን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ፃውዒታት ይቐርቡሎም ኣለዉ።

#ብኪሮስ_መሓሪ