ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተግባርን ሓላፍነትን ኣብያተ ምኽሪን ፈፀምቲ ኣካላትን ንምቅፃል፣ንምምሕያሽን ንምጥንካርን ዝወፀ ደንቢ 21/2017 ዓ/ም ምፅዳቁ ይፍለጥ ።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተግባርን ሓላፍነትን ኣብያተ ምኽሪን ፈፀምቲ ኣካላትን ንምቅፃል፣ንምምሕያሽን ንምጥንካርን ዝወፀ ደንቢ 21/2017 ዓ/ም ዝምልከቶ ኣካል ክፍፅምን ከፈፅምን ኣዚዙ።
እቲ ደንቢ በዓል 14 ገፅን 13 ዓንቀፃትን እንትኸውን ካብቶም ዝተመሓየሹ ዓንቀፃት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም ።
1.ዓንቀፅ 5. ምቕፃል ኣብያት ምኽርን ፈፀምቲ ኣካላትን
እዚ ዓንቀፅ ግዚኦም ወዲኦም ሕጋዊ ስልጣኖም ኣብቂዑ ግን ድማ ኣብ ስራሕ ዘለው ኣብያተ ምኽርን ፈፀምቲ ኣካላትን ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ቀፃሊ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ስራሕቲ ስግግር እንዳሰርሑ በዚ ደምቢ መሰረት ይሰርሑ ይብል።
- ዓንቀፅ 6. ተግባርን ሓላፍነትን ኣብያት ምኽርን ፈፀምቲ ኣካላት፦
ስልጣንን ሓላፍነትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽባርን ክኽበሩ ምግባር፣ ዘውፅእዎ ፣ ዝትግብርዎን ትልሚ ምስ ትልምን ተግባርን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጠዓዓም ምግባር፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህንፀትን ቀፃሊ መረፃ ንምክያድ ዘውፅኦም ፕሮግራማት ፣መምርሕታት፣ ውሳነታትን ትእዛዛትን ተቐቢሎም ሙሉአ ብሙሉአ ምፍፃም ፣ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝግበሩ ምትዕርያታት ኣመራርሓ ተቐቢሎም ኣብ ተግባር ክውዕል ይሰርሑ፣ ኣፈ ጉባኤን ምክትል ኣፈ ጉባኤን ኣብያተ ምኽሪ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኸታቲሎም ክፍፅሙን ክፍፀሙ ናይ ምግባር ግቡእን ሓላፍነትን ኣለዎም ይብል እቲ ደንቢ።
ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ እምነት ኣብ ዝሰኣነሎም ዋና ኣማሓዳሪ፣ምክትል ኣማሓዳሪ፣ከንቲባ፣ ምክትል ከንቲባን ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ከም ከከም ኣግባብነቱ ንርእሰ ምምሕዳር ውሳነ ሓሳብ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።
- ዓንቀፅ 7. ምጥንኻር ኣብያተ ምኽሪ፦
ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ኩሎም ክፋላት አቲ ካብኔ ዘጣየሹ ኣካላት ዝተውፃአፅኡ ካብ 3-5 ኣባላት ዘለውዎ ዝካየድ ሹመትን ምልዓልን ፈፀምቲ ኣካላት ኣብያተ ምኽሪ ዝከታተል ኮሚቴ ከጣይሽ ይኽእል። ነዚ ዝመርሕን ዘተሓባብርን ኣካል አውን ብርእሰ ምምሕዳር ክምደብ ይኽእል። ፣ዝተጓደሉ ኣባላት ንምምላአ ሓቛፋይ ብዝኾነ ኣገባብ ብቐጥታ ተሳትፎ ህዝቢ ይካየድ።
- ዓንቀፅ 8. ናይ ምፍፃም ግቡአ፦
በቢ ብርኩ ዝርከብ መሓውር መንግስቲ ስራሕቲ መንግስቲ ብሕግን ስርዓትን ናይ ምፍፃም ግቡአ ኣለዎም፣ በቢብርኩ ዝርከብ መሓውር መንግስቲ ብልዕሊኦም ብዘሎ መንግስታዊ መሓውርን ኣመራርሓን ዝወሃቦም መምርሒታትን መደባትን ክፍፅሙን ክፍፀሙ ናይ ምግባር ግቡእን ሓላፍነትን ከምዘለዎም ኣቐሚጡ ኣሎ።
- ዓንቀፅ 9.ግቡአ ምትሕብባር፦
ንኣፈፃፅማ እዚ ደምብን ነዚ ደምቢ ንምፍፃም ዝወፁ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ዝኾነ ሰብ ክተሓባበር ግቡእ ከምዘለዎ ይድንግግ።
- ዓንቀፅ 10. ተሓታትነት፦
ነዚ ደምቢ ብምትሕልላፍ ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን ተግባር ኣግባብነት ብዘለዎም ሕግታት ተሓታትነት የስዕብ።
- ዓንቀፅ 11. ተፈፃምነት ዘይብሎም ሕግታት፦
ነዚ ደምቢ ዝፃባአ ሕግን ልማዳዊ ኣሰራርሓን ኣብዚ ደምቢ ኣብ ዝተሸፈነ ዋኒን ተፈፃምነት ከምዘይብሉ ይሕብር።
8.ዓንቀፅ12. መሰጋገሪ ድንጋገ፦
እዚ ደምቢ ቅድሚ ምውፅኡ ዝተፈፀመ ወይ ዝተውሃበ ውሳነ ነዚ ደምቢ ክሳብ ዘይተፃበአ ዝፀንዐ ይኸውን፣ እዚ ደምቢ ቅድሚ ምውፅኡ ኣብ ስራሕ ዝፀንሑ በቢብርኩ ዝርከቡ ሓለፍቲ ስራሕ ከም ብሓድሽ ምምዕርራይ ከየድለየ በዚ ደምቢ እዚ ናይ ምሻም ስልጣን ዘለዎ ኣካል አንተኣሚንሎም ኣብ ዘለውዎ ሓላፍነት ከም ዝቕፅሉ ደንጊጉ።
- ዓንቀፅ 13.ተፈፃምነት እዚ ደምቢ፦ እዚ ደምቢ ብካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝፀድቐሉ ካብ ዕለት 12-5-1017 ዓ.ም ጀሚሩ ተፈፃሚ ከም ዝኸውን ደንጊጉ ኣሎ።